ምረቓ ወለዲ 20 ዓዲ ወጀራት
ዓዲ የዳብር
ቡሩዃት ኹኑ
ሃፍታማት ኹኑ
ወላዳት ኹኑ
ብውላድኹም ተሓጎሱ
ብለግነኹም ንገሱ
ብሸጋር ገስግሱ
ስጋሁ ወደሙ ቕመሱ
ብሩኽ ውለዱ
ሓምሳ ፅመዱ
በሸጋር ኪዱ
ሓቂ ፍረዱ
ፈረይቲ ኩኑ ከም ቁንቁራ/ጋባ/
ብርቱዓት ኩኑ ከም ተራራ
ዳኛ ብሹመቱ
ቐሺ ብዳዊቱ
ደካማ ብፀሎቱ
ጎበዝ ብጉልበቱ
ኦፊሩ ክኣቱ ይግበሮ
ኣሜን!
ስለ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ዳህሳስ
ኢትዮጵያ ወናኒት ፀጋ ቡዙሓት ቋንቋታትን ብሄርን ብሄረሰባትን ምዃና ብተደጋጋሚ ዝተገለፀ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ፀጋ እዚ ዝወለዶ ኣጋጣሚ ክልተ ሰለስተ ዓይነት ቋንቋታት ተዛራቢ ህዝቢ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ልሳነ ክልኤን ልዕሊኡን ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ድማ በዓል ሃፍቲ ዝተፈላለዩ ባህልታት ምዃኑ ሕቶ ዘልዕል ጉዳይ ኣይኮነን፡፡
ቋንቋታት ውፅኢት ባህላዊ ፍፃመታት እዮም እሞ መፅናዕቲ ቋንቋ ኣብ ሃገርና ብዙሕ ዕድመ ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ዝተጠናኸረ መፅናዕቲ ዝተኻየደሉ ኣይኮነን፡፡ ካብ ቡዙሓት ሕቶታት ቋንቋ ገና ዕቱብ ምላሽ ዘድልዮም ከም ዘለዉ ርዱእ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ብትኽክል ዝዝረበሎም ቋንቋታት ክንደይ እዮም? ዝርገሐኦም እንታይ ይመስል? ታሪካዊ ኣመፃፅኦኦም ወይ ድማ ሓረግ ትውልዶም እንታይ ዓይነት? እዩ ወዘተ ዝብሉ ምልዓል ይከኣል፡፡
ሓረግ ዝምድናን ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ቋንቋታት ኢትዮጵያ እንትነልዕል ኢትዮጵያውያን እንመን ነይሮም? ናብ ዝብል ሕቶ ዝመርሐና ምዃኑ ንርዳእ እዚ እውን መፅናዕቲ ቋንቋ ምስ ስነሰብ ፣ታሪክ፣ሕብረተሰብ ወዘተ ብቐረባ ዝተኣሳሰሩን ዝተደጋገፈን ምዃኑ የመላኽት፡፡
ንመእተዊ እዚ ካብ በልና ናብቲ ዋና ርእሲ ክንምለስ፡፡
- ኪነ ሓሳብን ባህርን ቋንቋ
- ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ መንጎ ዓሌታት ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣፈላላያት ብምስትውዓል
- ብመሰረት መረዳእታ ፅሑፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ኣብ ታሪካዊ ከይዲ ሓደ ቋንቋ ውሽጢ ዝበፅሐ ኣፈላላይ ብምስትውዓል
- ኣብ ሓደ ቋንቋ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ክፍልታት ብስራሕን ብትምህርትን ወዘተ ዝረኣዩ ዝተፈላለዩ ኣዘራርባ ብምርዳእ እዮም፡፡
- ዓሌታት ቋንቋ ኣብ ኢትዮጵያ
- ኣፍሮ ኤስያዊ
- ኣባይ ሰሃራዊ
- ናይጀር ኮርደፉናዊን
- ካይዛዊን ብምባል ዝፍለጡ እንትኾን ካብዚኦም ውሽጢ ኣፍሮ ኤስያውን ኣባይ ሰሃራዊን ኣብ ኢትዮጵያ ወከልቲ ቋንቋታት ኣለዉዎም፡፡
- ዓሌት ቋንቋ ኣፍሮ ኤስያዊ
- ኣባይሰሃራዊ ብምባል ዝፍለጥ ዓሌት ቋንቋ
- ዝርገሐ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓሌት
ዓሌት ቋንቋ ሴም፡- ዓሌት ሴማዊ ቋንቋ ብምዕራብን ምብራቕን ኣብ ክልተ ብምምቃል ምዕራባዊ ክፍሉ ማእኸል ሴማዊን ደቡብ ሴማዊን ደቡብ ሴማዊ ብተርኡ ብደቡብ ዓረቢያን ኢትዮ ሴማዊን ይኽፈል፡፡ ኢትዮ ሴማዊ ዓሌት ቋንቋ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ እንትኾን እዚ ዓሌት ቋንቋ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ክፍልታት ይምደብ፡፡ እዚኦም እውን:-
- ደቡብ ኢትዮ-ሴማዊን
- ሰሜን ኢትዮ -ሴማዊን ይብሃሉ፡፡
ደቡብ ሴማዊ ፡- ኣምሓርኛ ፣ጉራጊኛ፣ኣደርኛ፣ኣርጎብኛን ጋፋትን
ሰሜን ሴማዊ ፡- ዓሌት ቋንቋ ድማ ግእዝ ትገረ/ኤርትራ ዝርከብ / ትግርኛ ሒዙ ይርከብ፡፡ ቋንቋታት ሴም ብኣብዝሓ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ እንትንገሩ ኣብ ማእኸልን ምብራቕን ኢትዮጵያ ናይዚ ዓሌት ዝኾኑ ቋንቋታት ይንገሩ፡፡ዓሌት ቋንቋ ኩሽ፡- ቋንቋታት ኩሽ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ብፍላይ ካብ ኢትዮጵያ ብደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን (ኬንያ፣ታንዛንያን ሶማሊያን) ብውክልና ውሑዳት ቋንቋታትዝንገር እንተኾነ እውን ኣብዝሓ ቋንቋታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስለዝኾኑ ኢትዮጵያዊ መሰረት ኣለዎም ንምባል ይከኣል፡፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዓሌት ቋንቋ ኩሽ ኣብ ሰለስተ ንኡሳት ዓሌታት ቋንቋ ይኽፈል፡፡ እዚኦም እውን፡-
- ሰሜን ኩሻዊ
- ማእኸል ኩሻዊን
- ምብራቕ ኩሻዊን ኢዮም፡፡
ሰሜናዊ ኩሽ ፡- ብብሕታዊ ቋንቋ ቤጃ ይውከል፡፡
ማእኸላዊ ኩሽ፡- ቋንቋ ኣገው ዝሓቖፈ እንትኾን እዚ ዓሌት ቋንቋ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ሰሜናዊ ክፍሉ ቢለን፣ ቅማንተኛን ሃምታንግኛን ዝተብሃሉ ቋንቋታት እንትሕዝ ደቡባዊ ክፋሉ ድማ ኣዋንጌ ብምባል ዝፍለጥ ቋንቋ ሒዙ ይርከብ፡፡
ምብራቕ ኩሸ:- እንትኾን ምብራቕ ደጉዓን ምብራቕ ቆላን ብዝብል ስያመ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡፡ ኣብ ምብራቕ ደጉዓ ቡርጂ ፣ሃዲያ፣ከንባታ ሲዳማ ፣ጌድኦ ቋንቋታት ዘጠቃልል እንትኾን ምብራቕ ቖላ ድማ ኦሮሞ፣ዓፋር፣ሳሆ፣ሶማሌ፣ኮንሰን ጊዶሌን ቋንቋታት ይሕዝ፡፡ ቋንቋታት ኩሽ ብምብራቕን ደቡብን ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ዝርከብ እንትኾን ብማእኸልን ምዕራብን ኢትዮጵያ ’ውን ብዉሱን ይርከብ፡፡
ራብዓይ ዓሌት ቋንቋ ኩሽ ግና ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝርከብ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ብዝርዝር ንምቅማጥ ኣይተኽኣለን፡፡
ዓሌት ቋንቋ ኦሞ፡- ኦሞኣዊ ዓሌት ቋንቋ ብመሰረት ቀደም ዝነበረ ኣመዳድባ ዓሌት ቋንቋታት ካብ ዓሌት ቋንቋ ኩሽ “ምዕራብ ኩሻዊ”ተባሂሉ ይፍለጥ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር ደሓር ብዝተገበረ መፅናዕቲ ካብ ቋንቋ ኩሽ ዝተፈለየ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበን ኣብ ውሽጡ ዝርከቡ ቋንቋታት ዝዝረብሉ ቦታ ከባቢ ውሑጅ ኦሞ ብምዃኑ እዚ ሓዱሽ ስያመ ተዋሂብዎ እዩ፡፡
ዓሌት ቋንቋ ኦሞ ብምብራቕን ምዕራብን ዓሌት ኦሞ እንትኽፈል ፣ብወገን ምብራቕ እና (ሃመር) ካሮ፣ኣሪን ዲሜን ዝተብሃሉ ኣርባዕተ ቋንቋታት የጠቓልል፡፡ ብካሊእ ገፅ ብምዕራባዊ ኦሞኣዊ ክፋሉ ብዙሓት ቋንቋታትን ላዛታትን ዝሓቆፈ እንትኾን ማጂ ሼኮ፣የኦ፣ጊሚራን የምን ቋንቋታትን ኦሜቶኣዊ ብምባል ዝፍለጡን ናይ ቐረባ ዝምድና (ርክብ) ዘለዎም ወላይትኛ ፣ ኩሎኛ ፣ ዶርዚኛ ፣ ኣድይኛ ፣ በስኬቶኛ ፣ ጉፍኛ ዝኣመሳሰሉ ቋንቋታት ይሕዝ፡፡
ዝርገሐ ዓሌት ቋንቋ ኦሞ ካብ ካልኦት ማለት ካብ ሴማዊን ኩሻዊን ዓሌት ቋንቋ ዝነኣሰ ቦታ ሒዙ ይርከብ፡፡ ዝንገረሉ እውን ኣብ ከባቢ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ውሑጅ ኦሞ እዩ፡፡
ኣብ ኣባይ ሰሃራዊ ዝርከቡ ዓሌት ቋንቋታት፡- ኣብ ውሽጢ ዓሌት ቋንቋ ኣባይ ሰሃራዊ ካብ ዝርከቡ ትሽዓንተ ዓሌታት ቋንቋ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ኢትዮጵያ ወከልቲ ቋንቋታት ኣለውዎም፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣባይ ሰሃራዊ ቋንቋታት ዝርከብሎም ዓሌት ቋንቋታት ምብራቕ ፣ ሱዳናዊ ፣ በርታዊ ፣ ኩናማዊን ከሙዛዊን ይበሃሉ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝንገሩ ኣባይ ሰሃራዊ ቋንቋታት ውሽጢ ኣብዝሓ ኣብ ዓሌት ቋንቋ ምብራቕ ሱዳናዊ ዝርከቡ ኢዮም፡፡ ማጀንግ፣ኣኝዋክን ኑወርን ዝኣመሳሰሉ ቋንቋታት ኣብዚ ዓሌት ቋንቋ እዚ ዝርከቡ እንትኾን ቋንቋታት ኩናምኛን ጉምዝን ኣብ ዝተረፋ ዓሌት ቋንቋታት ዝተመደቡ ኢዮም፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ሰሃራዊ ቋንቋ ተዛረብቲ ካብ ሰሜን ምዕራብ ክሳብ ደቡብ ምዕራብ ፀግዒ ፀግዒ ፀቢብ ቦታ ሒዞም ዝሰፈሩ እዮም፡፡ ክሳብ ሐዚ ልዕል ኢሉ ከም ዝተገለፀ ሓፈሻዊ ትሕዝቶን ዝርገሐን ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዘርኢ ሓረግ ኣፍሮ ኤስያዊ ቋንቋ ብምዃኖም ኣብ መንግኦም ቀረባ ርክብ እንትህልዎም ተዛረብቶም እውን ንቡዙሕ ዘበናት ሓቢሮም ዝነብሩ ብምዃኖም ዝተዋለዱን ዝተኣሳሰሩን እዮም፡፡
ደቂ ሰባት ካብ ካልኦት እንስሳትን ፍጡራትን ኩሎም ፍልይ ካብ ዘብሎም ባህርያት ውሽጢ ክእለት ቋንቋ ቀዳማይን እንኮን እዩ፡፡ ኣብ ዝማዕበሉን ዘይማዕበሉን ሃገራት ዝርከቡ ማሕበረ ሰባት ዝጥቀምሉ ማዕረ ዝገብሮም ነናይ ባዕሎም ቋንቋ ኣለዎም፡፡እዚ ና ይ ህዝብታት ዓለም ናይ ሓባር ፀጋ ዝኾነ ቋንቋ ደቂ ናይ ሰባት ፍሉይ ብሕታዊ ሓድጊ እዩ፡፡ በዚ ባህሊ እዙይ ቋንቋ ባህርያዊ ፍፃመ ይገብሮ፡፡
ቋንቋ ማሕበራዊ ሓቂ ‘ውን እዩ፡፡ ህልዉና ቋንቋ ዝረጋገፅ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ግልጋሎታት እንተውዕሎ እዩ፡፡ ቋንቋ ብምጥቃም ዘዕብዮ እውን ሕበረተሰብ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕበረተሰብ ንዝውግኖም ማሕበራዊ ርክባት ቋንቋ ቀንዲ መሳርሒ እዩ፡፡ምእንተዙይ ቋንቋን ሕብረተሰብን ዘይነፃፀሉ ፍፃመታት እዮም፡፡
ናይ መጀመርያ ቋንቋ መዓዝን ኣበይን ከም ዝተጀመረ ገና ብትኽክል ዘይተፈለጠ እንተኾነ እውን ብዛዕባ ብዝሓትን ዕብየትን ቋንቋታት ብዙሓት መፅናዕቲታት ተኻይዶም እዮም፡፡ ብመሰረት ዝተገበሩ መፅናዕቲታት እውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓለም ኣስታት 4000 ቋንቋታት ይርከቡ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት ምብዛሕ ቋንቋታት ተዛረብቲ እቶም ቋንቋታት ብኣሰፋፍራ ፣ብፍልሰት፣ብኩናትን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባት ምዃኑ እዩ፡፡
ቋንቋ ከም ማንም ማሕበራዊ ፍፃመ ተለዋጢ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ለውጢ ነባራት እናጠፍኡ ሓደሽቲ እናተፈጠሩ ክመፁ ነባራዊ ሓቂ ኢዩ፡፡ ቋንቋ ውፅኢት ከይዲ ለውጢ ምዃኑ ብሰለስተ መንገድታት ምርዳእ ይከኣል፡፡
ኣብ ውሽጢ ኣህጉር ኣፍሪካ ናብ 1000 ዝፅግዑ ቋንቋታት እንትህልዉ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ዓሌታት /super families/ ይፍለጡ፡፡ እዚ እውን:-
ኣብ ውሽጢ ኣፍሮ ኤስያውን ኣባይ ሰሃራውን ካብ ዝጠቓለሉ ዓሌታት ቋንቋ ዝበዝሑ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝዝረቡ ኢዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣባይ ሰሃራዊ ካብ ዝርከቡ ዓሌታት ቋንቋ እቶም ውሑዳት ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ እንትህልዉ ዝበዝሑ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኢዮም፡፡
እዚ ኩነት ብብርኪ ዓሌት ቋንቋ ኣባይ ሰሃራዊ እንትርአ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ትሽዓንተ ዓሌት ቋንቋ እንትህልውዎ ካብዚኦም ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሌት ቋንቋ ጥራሕ ውሑዳት ወከልቲ ቋንቋታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉዎም፡፡ ዝተረፉ ዓሌታት ቋንቋ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝንገሩ ኢዮም፡፡
ዓሌት ቋንቋ ኣፍሮ ኤስያዊ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሸውዓተ ዓሌት ቋንቋ እንትኽፈል ካብዚ ውሽጢ ሰለስቲኦም ማለት ሴማዊ ፣ኩሻውን ኦምኣዊን ዓሌት ቋንቋ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዝረቡ ወከልቲ ቋንቋታት ኣለዉዎ፡፡ ኩሻዊ ዓሌት ቋንቋ ድማ ኣብ ውሽጡ ካብ ዝጥርነፉ ቋንቋታት ዝበዝሑ ኣብ ኢትዮጵያ ይንገሩ፡፡ ኦሞኣዊ ዓሌት ቋንቋ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝርከብ ኢዩ፡፡
ካብዚ ቐፂልና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ወከልቲ ቋንቋታት ዘለዉዎም ዓሌታት ኣፍሮ ኤስያውን ኣባይሳሃራውን ብሓፂሩ ንርአ፡፡
ኣፍሮ ኤስያዊ ብምባል ዝፍለጥ ዓሌት ቋንቋ ስያምኡ ክረኽቦ ዝኽኣለ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካን ደቡብ ምዕራብ ኤስያን ይዝረብ ስለ ዝነበረ ከም ዝኾነ መረዳእታ ይሕብር፡፡
ብመሰረት ተመራመርቲ ቋንቋ ኣመዳድባ ኣፍሮ ኤስያዊ ዓሌት ቋንቋ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ይምደብ፡፡ እዚኦም እውን ሴማዊ፣ግብፃዊ፣በርበራዊ፣ኩሻውን ቻዳዊን ይብሃሉ፡፡
ብካልእ ተመራማሪ ኣመዳድባ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ዓሌት ቋንቋታት ይከፋፍሎም፡፡ እቶም ሓሙሽተ ዓሌት ኣብቶም ልዕል ክብል ዝተሓበሩ ዓሌታት ቋንቋ ዝተጠመሩ እንትኾን እቲ ሻድሻይ ኦሞኣዊ ብምባል ዝፍለጥ ዓሌት ቋንቋ እዩ፡፡ ዝርገሐ እቶም ዓሌታት ኣመልኪቱ ፕሮፌሰር ኣብተማርያም ማርቆስ ዝተብሃሉ ምሁር ዝስዕብ ኢሎም ነይሮም፡፡
ኦሞኣዊን ኩሻዊን ዓሌታት ብፉሉይ ደቆም ኣብ ኢትዮጵያ ኣስፊሮም ኢዮም ምባል ይከኣል፡፡ (ካብ ሶማልያዊ ቋንቋ ኩሽ ወፃኢ) ሴማዊ ዓሌት ናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቕድሚ ምሽጋሩ ኣብ ቐረባ ፀኒሑ ምስተባዝሐ ኢትዮ ሴማዊ ክፍሉ ካብ የመን ተበጊሱ ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝተሻገረ ይገልፁ፡፡
ብሓፈሻ እንትርአ ኣፍሮ ኤስያዊ ዓሌት ቋንቋ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓሌታት ቋንቋ እቲ ዝዓበየ ብዙሕ ቋንቋታትን ብዙሕ ተዛራቢን ዘለዎ ዓሌት ቋንቋ ብምዃኑ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ኣፍሪካ ሰፊሕ ከባቢ ሸፊኑ ይርከብ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽፋን ብጣዕሚ ውሱን እዩ፡፡ እዚ ዓሌት ቋንቋ ካብ ካልኦት ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ ዓሌታት ቋንቋ ኩሎም ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎ፡፡ ይኹን እምበር ካብ ግምት ዝዘለለ ጭቡጥ መረዳእታ ክርከበሉ ከም ዘይከኣለ ይግለፅ፡፡
About Tigrigna Language
Tigrinya ( ትግርኛ, tigriññā), also spelled Tigrigna, Tigrina, Tigriña, less commonly Tigrinian, Tigrinyan, is a Semitic language spoken by the Tigray-Tigrinya people in Tigray [Northern Ethiopia] and in central Eritrea (there referred to as the "Tigrinya" people), where it is one of the two dominant languages of Eritrea, and in the Tigray Region of Ethiopia (whose speakers are called "Tigray"), where it has official status, and among groups of emigrants from these regions, including some of the Beta Israel now living in Israel. Tigrinya is also spoken by the Jeberti (Muslim Tigrinya) in Eritrea. Tigrinya should not be confused with the related Tigre language, which is spoken in the lowland regions in Eritrea to the north and west of the region where Tigrinya is spoken.
Speakers of Tigrigna
There is no generally agreed upon name for the people who speak Tigrinya. A native of Tigray is referred to in Tigrinya as tigrāwāy (male), tigrāweytī (female), tigrāwōt or tegaru (plural). In Eritrea, Tigrinya speakers are officially known as the Bihér-Tigrigna which means nation of Tigrigna/Tigrinya speakers. Bihér roughly means nation in the ethnic sense of the word in Tigrinya, Tigre and Amharic as well as in Ge'ez from which all these languages originate. Muslim native Tigrigna speakers are known as the Jeberti, an Arabic name which implies conversion to Islam among Africans and is also used by a Somali sub-clan.
In Ethiopia, Tigrinya is the third most spoken language, after Amharic and Oromo, while in Eritrea, Tigrinya is by far the most spoken language (see Demographics of Eritrea). Tigrigna is spoken by large immigrant communities around the world, there among Sudan, Saudi Arabia, the United States, Germany, Italy, the United Kingdom, Canada and Sweden.
Tigrinya dialects differ phonetically, lexically, and grammatically.[4] So far no dialect appears to be accepted as a standard. This article does not intend to cover dialectal variation.