ባህሊታት ትግራይ

ሓፂር ሌላ ሕፀን መርዓን ትግራይ

መእተዊ

ትግራይ ኣብ ሰሜናዊ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ 12o-15o ሰሜን ላቲቱድን 36 o -30 o-40 o -30 o ምብራቕ ሎንጊቱድን ትርከብ፡፡ዓመታዊ መጠን ዝናብ 650-980 ሚሊሜትር ኮይኑ ቆላ(48 ሚኢታዊ ) ደጉዓን(11.5 ሚኢታዊ) ሓውሲ ደጉዓን (40.5 ሚኢታዊ) ከባቢ ኣየር ዘለዋን ኣብ 53638 Km2ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓትን ካብ 500 -3935 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ብራኸ እትርከብ ክልል እያ፡፡

ትግራይ ብደቡብ ክልል ኣምሓራ ፣ብምብራቕ ክልል ዓፋር ብሰሜን ኤርትራ፣ብምዕራብ ሱዳን ዘዋስንዋን ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት፣ሓደ ፍሉይ ዞባን (ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ) 47 ወረዳታት ብጣብያን (ኣስታት 673) ቁሸትን ዝተመቓቐሉ ስርዓት ኣመሓድራ ዘለዋ እያ፡፡ ሰለስተ ብሄርን ብሄረሰባትን ማለት ኣብ ሓደ ሓደ ወረዳ ተወሲኖም ዝርከቡ ብሄረሰባት ኢሮብን (ዞባ ምብራቕ) ኩናማን (ዞባታት ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ) ኣብ ውሽጣ ዝሓዘትን 4.45 ሚልዮን በዝሒ ህዝብን ኣለዋ፡፡

ቋንቋ ትግርኛ መስርሕ ክልላዊ መንግስትን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብያተ ፍርድን ኮይኑ ቋንቋታት ኩናማኛ ፣ኢሮብኛ (ሳሁኛ) ኣምሓርኛ ቀሊል ዘይብሃል ተዛረቢ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ዓፋረኛ፣ኦረምኛ ፣ ብምዝራብ ልሳኔ ክልኤን ልዕሊኡን ተዛራቢ ህዝቢ ኣለዋ::

ሃይማኖታት ኦርቶዶክስ፣ምስልምና፣ካቶሊክን ካልኦትን ከከም ቅደም ሰዓቦም በዝሒ ተኸታታላይ ዘለዎምን ተመሳሳሊ ባህልን ልምድን ዝሓዙ ብፍቕርን ምትሕልላይን ሓቢሮም ዝነብሩላን እያ ትግራይ፡፡

ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ትግራይ

መርዓ ናይ ፍቕሪ መእሰሪ ሓደ መስርሕ ብምዃኑ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ዘርእታት ደቂ ኣዳም ፍሉይ ክብርን ቦታን ይህብዎ፡፡ዋለኳ ፍቕርን ሓዳርን ብዘይመርዓ ’ውን ዝኸዱ እንተኾኑ መርዓ ሃይማኖት ከይፈለየ ብኩሉ ተኸታላይን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምን ዝካየድ ምዃኑ ሓበራዊ ልማድ ይገብሮ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ’ውን ሓደ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኢዩ’ሞ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ስነ ስርዓት መርዓ ኣለዎ፡፡

ኣብ ትግራይ ሃይማኖታዊ ፣ባህላዊን ዘመናዊን ዝበሃሉ ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቕቡላት ዝኾኑ ዓይነታት መርዓ ኣለዉ፡፡ ሐዚ እንሪኦ ባህላዊ መርዓ ኮይኑ እቲ ናይ ቐደም ናይ ወለድና እንብሎ ስነ ስርዓት መርዓ ምስ ኣተሓሳስባን ዘመናውነትን ደቂ ሰባት እናተሓናፈፀን እናተለወጠን ይመፅእ ብምህላዉ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ቀደም እዩ ወይ ናይ ሐዚ እዩ ንምባል ኣፀጋሚ ኢዩ፡፡ ብዝኾነ ከም ዘሎ ንምቕራብ ተፈቲኑ ኣሎ፡፡

ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ትግራይ ካብ ሕፀ ጀሚሩ ብሄረሰብ ሃይማኖት ከይፈለየ ዝዓበየ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኮይኑ ኣፈላላያት ዝረኣዩሎም ቁም ነገራት እንተሃለዉ ኣብ ባህለዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ፣ኣበሃህላን ኣገላልፃን ቃላትን ባህላዊ ምግብታትን ኣመጋግባን ጥራሕ እዩ፡፡ ምእንተዙይ ተመሳሳልነት ዘለዎ ብሓደ ጠሚርና ኣፈላላያት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ከከም ከባቢኡ (ዞብኡ) ንምቕራብ ክንፍትን ኢና ፅቡቅ ምክትታል፡፡

ዞባ ማእኸል

ስነ ስርዓት ሕፀ

እንተስ ብዕድሉ እንተስ ከከም ሃብተ ገነት ወለዱ ዝዓበየ ቆልዓ ከከም ተፈጥሮኣዊ ባህርን ኣተዓባብያን ዝውስነካ እንተኾነ ክሳብ ዝተወሰነ ዕድመ ክልል ንወለዱ እናተኣዘዘ ዝኸደ ውላድ ኣብ ዝተወሰነ ዕድመ ክልል ምስ በፅሐ ድማ ተኣዛዝነቱ ኣብ ፈተና ዝወድቐሉ ኩነት ኣሎ፡፡ ንምንታይ? ናይ ወለዲ ሕቶን ወለዲ ዝምልስዎን ኢዩ፡፡ ገለገለ’ ውን ኣፍ ኣውፂኦም ብቀጥታ ዋላ ኣይዛረቡ እኒ ዓርከይ እገለ ተሓፅዮም እናበሉ ዕለታዊ ወግዒ ስድራ ቤት ዝገብሩ ኣለዉ፡፡ ንወለዲ ግና ቀደሙ’ ውን እንተኾነ ዝጠፍኦም ስለ ዘይነበረ ጉዳይ ሕፀ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ይለዓል፡፡ ወዲ ክተሕፂ ጓል መን? ዘርኦምከ? ፅብቕቲ ድያ? ወዘተ ብወለዲ ዝውዳእ ውራይ ኮይኑ ጓል እንትትሕፀ ግና ዝበዝሕ ግዘ ብደቂ ተባዕትዮ ወይ ብሰብኣይ ኣብ ውዕልኡ ዳርጋ ዝውዳእ ኢዩ ተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን፡፡

ውላዶም ከሕፅዩ ዝደልዩ እንታይ ይብሉ ሓቢርና ንርአ፡፡ <<…ኣንቲ ወ/ሮ እክለ እቲ ቆልዓ ጎቢዙ ስለ ዘሎ ከምቱ እትሪኢዮ ’ውን ስራሕ ኣብዩ ስለ ዘሎ ኣርዑት እንዶነውድቐሉ ፅቡቕ ብርሃን ወድናባ ብደውና ሪኢና ቆልዓ ምሰዓምና ነይርና>>ዝብል መረዳድኢ ሓሳብ ንክሓፅይዎ ይስማምዑ፡፡ዘርኢ ሕውነት ዓፅሚ ከየፃረኻ ህሩግ ክብሃል ከም ዘይብሉ እውን ካልእ መረዳድኢ ውራይ እዩ፡፡

ድሕሪ እዙይ ሓደ ልኡኽ ኣቦ ጓል ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ረኺቡ ጓሎም ክልምን ከም ዝተልኣኸ ይነግር፡፡ ኣቦ ጓል ’ውን ምስ ቤተሰብ ክሳብ ዝመኽሩ ልኡኽ ቆፀሮ ሒዞም ይምለሱ፡፡ እዋን ቆፀራ ልኡኽ ጋቢኦም ኣወናዚፎም መልሲ ይሰምዑ ዓፅሚ ዘርኢ ዓዲ ወዲ እውን ፅሩይ ምዃኑ ምስክርነት ይህቡ፡፡ እሽታ ምስተረኸበ ሽማግለታት ዓዲ ወዲ ዝመፅእሉ ቆፀሮ ይተሓዝ፡፡ ቆፀራ ምስኣኸለ ድማ ዓዲ ወዲ ሕምባሻ ክዳን ሒዞም ይኸዱ እንግዶት ተገይሩ ወግዒ ኩሉ ኣብ ዙርያ ፅሬት ዓፅሚ እናተሽከርከረ ይፀንሕሞ መዓልቲ መርዓ ምስተቆረፀ መርዓት ዝመፀላ ክዳን ተኸዲና ትምረቕ ፀላኢ ሰነያት ከይኣቱ ተባሂሉ እውን እዋን መርዓ ክሓፅር ይግበር፡፡ ክንድዚ ዓርኪ፣ዓበይቲ፣ተፃወቲ ሒዞም ኣብቱ ዕለት መርዓ ንኽመፁ ምስተነገሮም ብእንዳጓል ዝተውሃቦም ከፍቲ ሒዞም ይኸዱ፡፡

እዋን ሕፀ ደቆም ክሕፀዩ ከም ዘለዎም እምበር ምሃብ ምኽላእ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዕማም እዩ፡፡ መርዑት እውን መንያ? መንዩ? ድልየቶም ድዩ ኣይኮነን? ኣብ መርዓዊ ዋላ ዝሓሸ እንተኾነ ውራይ ወለዲ ኢዩ፡፡ መርዓዊ ንመርዓቱ ተሓቢኡ ንክሪኣ ዝምከር ጥቃ መርዓ ኮይኑ እዚ ’ውን ንፉዕ ኮይኑ ንክሰርሕ ንምብርትታዕ እዩ፡፡ መርዓት ግና ዕለት መርዓ እያ እትሪኦ ተተበሃለ ምግናን ኣይኸውንን፡፡ ዋላ ሐዚ ሐዚ ለውጢ ዘሎ እንተኾነ፡፡

ስነ ስርዓት መርዓ

እዋን መርዓ ብኣብዝሓ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን እዩ ዝምረፅ፡፡ እዋን መርዓ ዘለካ ነጊፍካ ምምርዓው ድማ ቅቡልን ዘየነውርን ባህሊ ኢዩ፡፡ ኣሰራርሓ ዳስ ኣብ ኣብዝሓ ገጠራት ትግራይ ዙርይኡ ብታኼላታት ኮይኑ ዝባኑ ብቃንጫን ኣቁፅልትን’ዩ ዝድስደስ፡፡ኮፍ መበሊ ’ውን እምንን ኣእዋምን ኢዩ፡፡

<< ኣንታ ወይናይ ንኡስየ ውፈርሞ ዳሕን ተመለስ >>እናተብሃለ መርዓዊ ኣዕርክቱን ወረዲ መርዓን ሒዙ ናብ እንደጓል ድሕሪ ሰዓት ይኸይድ፡፡ ወራዲ መርዓ እንዳጓል እናደረፉ የኣትዉ፡፡ ጓሶት ድማ ፀኒሖም ሆ! እናበሉ የኣትዉ፡፡ ፀወታ ጠጠው ክብል ተገይሩ ብወገን እንዳጓል ንእንዳወዲ ‘ዳይናዶ ኣለኩም?’’ ይብሃሉ፡፡ ዓዲ ወዲ ድማ ‘ጎይታ ደሓር ኢናሞ እንዳባት ኢኹም ትፈለጡታ’ምበር ዝብል ምላሽ ይህቡ፡፡ ብዓዲ ጓል ሓደ ዳይና ምስተሓረየ ስነ ስርዓት መሓላ ይካየድ፡፡ ዳይና ዝተብሃለ ሰብ ኩርንዑ ኣውፂኡ ሕጊ ይሙት መንግስቲ ይሙት ኢሉ ቃል ምስ ኣተወ ነቶም ሽማግለታት’ውን ሕጊ ይሙት መንግስቲ ይሞትዶ? ይብሎም ንሶም’ውን እወ ሕጊ ይሙት መንግስቲ ይሙት ይብሉ፡፡

ስነ ስርዓት ዋሕስ

ብወገን ዓዲ ጓል ውዕልና ሕግና ከመይ ‘ዩ? ቅድሚ ሐዚ ዘሕለፍናዮ እንተልዩና ክትነግሩናዶ?/ ከፍቲ ሂቦም እንተኾኑ ማለት ’ዩ /ዝብል ሕቶ ናብ እንዳ ወዲ ይቐርብ፡፡ ብክልቲኡ ወገን ኣነ ክንዲዚ ወሲደ ኣነ ውን ክንዲዚ ሂበ ምስተበሃሃሉ ዋሕስ ሃቡና ይብሃል፡፡ ክልተ ዋሕሳት ኩርነዖም ኣውፂኦም ከክልተ ቂል /ሻኽላ/ስዋ ሒዞም ኣብ ቅድሚት ጠጠው ክብሉ ምስተገበረ ብወገን እንዳጓል ‘ ከምቱ ዝነበረ ሕጊ ከም ኣቦታት ውዕል ከም እኖታት ብፀልማት ተመፀት ናብ ብርሃን፣ብፀሓይ ተመፀት ናብ ፅላል ብበሪ ተመፀት ናብ መስኮት ከየብልዋ ይወሓሱ ድዮም? ዝብል ንሕድሕዶም ሕቶ ይቀርበሎም፡፡ ንሶም’ውን መሊሶም ነቲ ዝተወሓስዎ ወገን ‘ከምቱ ዝብሃል ዘሎ ዋሕሳትኩም ድየ?’’ እናበሉ ይሓቱ ፡፡ ‘እማን ይወሓሱና’’ ምስተብሃሉ ‘እወሓስ ‘ዝብል ምላሽ ይህቡ፡፡

ድሕሪ’ዙይ ኣዕርኽቲ ተባሂሉ ሰለስተ ኣዕርኽቲ ይቀርቡ ’’ኣዕርኽቲ ዲኹም? መርዓዊ ኣዕርኽትዃ ድዮም?‘ ተባሂሉ ምላሽ ምስተውሃበ እንዳወዲ ንእንዳጓል ‘ዓዲጎታት መዕረፊዶ ትህቡና‘ኢሎም ይሓቱ፡፡ ሂብናኩም ምስተብሃሉ መተኣናገዲ ’ውን ይውሃቦም ኣቦ ጎይላ ዝኾኑ ውን ካብ ክልቲኡ ወገን ይምረፁ፡፡ ወገነይ ወገንካ ከይበሉ ክፃወቱ ቃል ይኣትዉ፡፡ ካብኡ ስነ ስርዓት ምግብና ይካየድ፡፡ ምስተበልዐ እንዳጓል ንመርዓዊ ተለዓል ተልዓልየ መሲሊካዶ ስዋ በዓልየ እናበላ ይደርፋሉ፡፡

ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን

ኣዕርኽቲ ክዳን ኣመሪቖም ምስ ኣረከቡ መርዓት ከዲኖም ናብ ዳስ የምፅኡዋ፡፡ ብድሕሪኡ ቐሺ ንመርዑት ከምዚ እናበሉ ቃል ኪዳን የእትውዎም፡፡ እዚ ወደይ ዓይና ዓዊራ እዝና ፀሚማ እግራ ሓንኪሳ ኢልካ ከይትንዕቓ ከይትፀልኣ ቃል ኪዳን ይብፃሕኻዶ?ምስ በልዎ ይብፀሓኒ ይብል፡፡ ንሳ ውን ብግድኣ ከምኡ፡፡ ኣዕርኽቲ ብወገኖም ዝበርህ ጥዋፍ ሒዞም ብርእሲ መርዓት እናዞሩ ከምዚ እናበሉ ቃል የኣትዉ፡፡

  • በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ /3 ግዘ /
  • ኣረኩ ወኣረኩ ከመዘኣረኩ ኣብርሃም ይሰይቅ ወያ እቆብ /3 ግዜ/
  • ኣረኩ ኣርከተይ ኣርከኒ ወለተማርያም /ሽም መርዓት/ 3 ግዘ/
  • ዓሪኸ ኣይዓረክኹን ከይብል ቃል ኪዳን ይብፀሐክንዶ ይብሉ፡፡ ንሳ ውን ይብፀሓኒ ትብል፡፡

ስነ ስርዓት ድርማማ /ፈጣን ጉዕዞ/

ድርማማ ማለት ፈጣን ጉዕዞ ማለት ኮይኑ ክልተ /ወድን ጓልን /ጥራሕ ዝለሃይሉ ’ዩ ካብ እንዳወዲ ሓደ ብሓዳሩ ዝፀንዐ ወዲ ሓንቲ ድማ ብሓዳራ ዝፀንዐት ካብ እንዳጓል ዝለሃይሉ ኮይኑ ሓዳሮም ከምኡ ዝቐንዐ ክኸውን ትምኒት ዝግለፀሉ ’ዩ፡፡

ስነ ስርዓት ምምስግጋን /ሞሳ/

ስነ ስርዓት ገዝሚ ምስተዛዘመ ብክልቲኡ ወገን ሰባት እናተስኡ ዛንታ/ዓሌት/ እናልዐሉ ዝንእድሉን ፅቡቕ እንግዶት ከም ዝነበረ ብወገን እንዳወዲ እንትገልፁ እንዳጓል ድማ ‘እዚ ናዓኻቱም ድፍረት’ዩ’ ምበር ውህብቶ ኣይኮነን ፈውሲ ዕንቅፋት መንገፊ ጫማ’ዩ ብዝኾነ የቕንየልና ዕድመ ከም ማቱ ሳላ መርዓ ከም ኣብርሃም ሳራ ይግበረሎም ኢሎም ይምርቑ ፡፡

ዞባ ደቡብ

ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን

መርዓትን መርዓውን መርዑትን ኣዕርኹትን ቃል ኪዳን እንትኣስሩ ኣብ ዞባ ማእኸል ዝበርህ ጥዋፍ ሒዞም ከም ዝፍፅሙ ሪኢና ኣብዚ ግና ሕድሕድ ብሕንጥልጤል ኢዶም ተተሓሒዞም ኢዮም ቃል ዝኣትዉ ጥምረት ንምምልኻት

ስነ ስርዓት ገዝሚ /ምቅላዕ

ስነ ስርዓት ዋሕስ ምስተዛዘመ ስነ ስርዓት ገዝሚ ንምክያድ ሓደ ሰብ ተላዒሉ:-
    ክንዲዚ ከፍቲ ንወድና ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ክንዲዚ ከፍቲ ንጓልና ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ክንዲዚ ከፍቲ ንኣቦይ እኖይ ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ክንዲዚ ቅርሺ ንኣባት ነብሲ ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ክንዲዚ ቅርሺ ንኣማጭ/መማፅኢ/ ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ክንዲዚ ቅርሺ ንደቅኖ ይብለዉ ዓዲ ጎተት ይብሃል ዕልላ እግሩ እግሩ ይቅፅል፡፡
    ዓዲ ወዲ ደስትኦም ንምግላፅ ፀጊብና የቐንየልና ይብሉ
    ናይ ፀገብና ክንድዚ ላሕሚ ይብለዉ ዓዲ ጎተት
    ናይ ሰላምታ ክንድዚ ቅርሺ ይብለዉ ዓዲ ጎተት ይብሃል

ድሕሪ እዙይ መርዓት ብኣዕርኽቲ ተሓዚላ ትምረቕ ኩሉ ኮፍ ኢሉ መራቒ ጠጠው ኢሉ ዓዲ ኣጥዓ ፣ዓዲ ላሕሚ ፣ዓዲ ፀባ ፣ዓዲ ሑቓን ፣ዓዲ ማዓር ይግበሮ ፡፡ ተቀበልቲ ገሊኦም ኢዶም ገሊኦም ኹትኦም ዘርጊሖም ኣሜን ይብሉ፡፡ ካልእ መራቒ ድማ ዝበልዎ ይኹን ኢሉ ከም ዝስዕብ ምርቕኡ ይቅፅል፡፡ ኣቦኻ ፈራዲ ኣቦኻ ንጉስ ይግበረልኻ ይብሉ ፡፡

ዞባ ምዕራብ

ኣብ ዞባ ምዕራብን’ውን ስነ ስርዓት ሕፀን መርዓን ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ጥራሕ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ዋሕስ ዘሎ ኣገላልፃ ክነቕምጥ፡፡ ወራዲ መርዓ ናብ እንዳጓል ምስ በፅሐ ፀወታ ጠጠው ክብል ይግበርሞ ብወገን እንዳጓል ‘እንታይ ኣምፂእኩም? ይብሃሉ ንእንዳ ወዲ ፡፡ እንዳወዲ ውን ‘እንዳ ጎተት ክንሓድር መፂእና‘ይብሉ፡፡ ድሕሪኡ ‘ዋሕሳት ኣቐሙ ይብሃሉሞ ብኣኻትኩም ብዓድባ ይምፃእ ዝብል ምላሽ ይውሃብ፡፡ ብድሕሪኡ ዋሕስ ናብ መድረኽ ወፂኡ’’ ገድሊ ይሙት መንግስቲ ይሙት ‘እናተብሃለ መሓላ ይግበር፡፡

ወልቃይት

ወልቃይት ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝርከብ ኮይኑ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዳበው ብምዃኑ ዝተሓናፈፀ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ዝረኣየሉ እዩ፡፡ ኣብዚ ዝተፈለየ ነገር እንተሃለወ ንእምነት ተገዛኢ ምዃን እዩ፡፡

ጓል ክልምኑ ናብ እንዳወዲ ዝኸዱ ሽማግለታት ብኣንፈት የማን ዓድጊ እንትሃልል እንተሰሚዖም ጉዳዮም ከም ዝቐንዕ እንትኣምኑ እቲ ድምፂ ብኣንፈት ፀጋም እንተኾይኑ ግና ኣይቐንዐናን ስለ ዝብሉ ይምለሱ እዮም፡፡ ሽማግለታት እንዳጓል እንትበፅሑ እግሮም ክሕፀቡ ይግበር፡፡ እዋን መርዓ ቅድሚ ምብፅሑ ኣንሽቲ መርዓት ክሪኣ ክዳን ሒዘን ይኸዳ’የን፡፡ ክትኸደኖ ምስተገበረ ድማ ይምርቕኣ፡፡

ስነ ስርዓት መርዓ

ኣብዚ ዝተፈለየ ነገር ካብ ፀላኢ ሰነያት ንምክልኻል እንዳተደረፈ ንመርዓዊ ልሕቲት ይእሰረሉ፡፡ ንመርዓት እውን ከምኡ ልሕቲት ሸውዓተ ብቑሊ ናይ ስዋ ተገይርዋ ኣብ እምኒ ይፅቀጥ’ሞ መርዓት ክትዘሎ ይግበር፡፡

ስነ ስርዓት ዋሕስ

ዋሕስ ሃቡና ተባሂሉ ስነ ስርዓት ዋሕስ ምስተኻየደ ‘ሽም ወድኹም ሃቡና‘ ይብሃል ብእንዳጓል፡፡ እንዳወዲ’ውን ሽም መርዓዊ ፀዊዖም ሂብና ይብሉ፡፡ ዓዲ ጓል ’ውን ጓልና ውን ሂብና ኣለና ምስተብሃለ ቃል መሓላ ይግበር፡፡ ኣብ እዋን መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ብሓምየት ዝፍለጥ ዝነበረ ኩሉ ብደርፊ ምውፃእ ልሙድ’ዩ፡፡ ንኣብነት እንዳጎይታ እዛ ባርነቶም ሓቂ ድያ ይብላ፡፡ ኣወዳት ድማ ክልተ ጉጅለ ፈጢሮም ኩታ ጠምጢሞም ክባ ሰሪሖም ኮፍ ንዝበሉ ካብቲ ሓደ ወገን ዝመፀ ሰብ ዘይሩ ዘይሩ ንሓደ ሰብ ወቒዑ የምልጥ፡፡

ዞባ ምብራቕ

ኢሮብ

ስነ ስርዓት መርዓ

ኣብ ብሄረሰብ ኢሮብ ወራዲ ወርዓ ናብ እንዳጓል ምምፅኡ ዘመላኽቱ ሰይፊ ሒዞም እግሮም ከይቖርፁ ብዘፍርሕ ኣገባብ ስር ስር እናበሉ ኣብ ዳስ ኣትዮም ተመሊሶም ወፂኦም ይኸዱ፡፡ ካብኡ ወራዲ መርዓ ብሁራ ሰለስተ ተሰኒዩ ሆ! እናበሉ የኣትዉ፡፡ ቅድሚ እኽለማይ ስነ ስርዓት ዋሕስን ቃል ኪዳን ምስተኣሰረ ምስ መብረያ (ፀብሒ) ብጠስሚ (ሱባሕ ብሳሆኛን) ጥሕሎ ተበሊዑ ስነ ስርዓት ማሰ፣ ደርፊ፣ ፈኸራ የካይዱ፡፡ ሰጋር በቕሊ ’ውን ኣብ ዳስ ተኳድድ፡፡ ኣብዚ ሓው መርዓት ካብ ዝነበሮ ተሸኪምካ ናብ ኣዕርኽቲ ምውሳድ ሓደ ባህሊ ኣሎ፡፡ ክሳብ መርዓዊ ዝርከባ’ውን ምስ ሓዋ ’ያ እትኸውን

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ምብራቕ

ስነ ስርዓት ሕፀ

እዚ ወድና ስራሕ ኣብዩ’ሎሞ ሕፀ’ዩ ደልዩ መስለና ጓል ጋና ሂብናዶ ሽጎም፣ብርኪ ዕፀፍ ነብሎ ተባሂሉ ሰደኛ /ሽማግለ/ ይስደድ፡፡ እሽታ ምስተረኸበ ሽማግለታት ጎንቦ ስዋ ፣ሕምባሻ ክዳን ሒዞም ይኸዱ፡፡ መዓልቲ መርዓ ድማ ይቑረፅ፡፡ ሽማግለታት ንመርዓት ንማሕዘልን ንጫማን ይግበረላ ኢሎም መሪቖም ይወፁ፡፡

ስነ ስርዓት መርዓ

ከምቱ ኣብ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝረኣናዮ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ‘ውን ወራዲ መርዓ ናብ እንዳጓል ይመፁ ምህላዎም ዘመላኽቱ ክልተ ሽልማት በቕሊ ዝተኸደኑን ሰይፊ ዝሓዙን ናብ ዳስ ኣትዮም ይወፁ፡፡ ኣዕርኽቲ ምብራቕ ካብ ካልእ ከባቢ ዝፍለይሎም ኣብ ክሳዶም ጎባጉብ ኣብ መዓንጠኦም ዝናር ዝመስል ዕጥቂ ይገብሩ፡፡ መርዓዊ ካብኦም ዝፍለየሉ ቖቡዕ ምግባሩ ‘ዩ፡፡ ሁራ ሰለስተ እናርአዩ ዝኣተወ ወረዲ መርዓ ምስተፃወተ ዕረፉ ተባሂሉ ቦታ ክሕዙ ይግበርሞ ስነ ስርዓት ዋሕስን ቃል ኪዳንን ይካየድ፡፡

ኣብ ዞባ ምብራቕ ዕዱም ንጥሕሎ ዝኸውን ጥሕኒ ብኣድጊ እንጀራ ብመሶባት ኣቢልካ ምምፃእ ፍሉይ ተርእዮ’ዩ፡፡ ኩርነዐን ኣውፂአን ዝጠሓለኦ ጥሕሎ መርዓ ድማ ብሜስ ተዓጂቡ ይብላዕ፡፡ ድሕሪኡ ደርፊ ተደሪፉ ኩሒል ሰለል በልየ ተባሂሉ መርዓ በቕላ ሰሪራ ናብ እንዳ ወዲ ትኸይድ፡፡

ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ዘሎ ሓደ ኣጉል ተርእዮ ዋላኳ ሐዚ ሐዚ ዝሓሸ እንተኾነ መርዓትን መርዓውን መርዓዊ ንመርዓት ናይ ምምራፅ ዕድል ኣይወሃቦምን፡፡ ወላዲ ብዘርኡን ብሃብቱን ብዓፅምናን ዝመረፅዎ ጥራሕ፡፡ ዘለካ ሃብቲ ነጊፍካ ምምርዓውን እዋን ገዝሚ ዝረኣዩ ገንዘብ ወይ እንስሳ ንምሃብ ዝድርደሩ ኣብ ከም ራያ ዝተርኣዩ ተርእዮታት ድማ ካልእ ልዕሊ ዓቐን ክጠፍእ ዝዕድም ‘ዩ፡፡ ብዝተረፈ መንነትካ ዝገልፅ ቃሕ በሃሊ ስነ ስርዓት መርዓ ከም ዘለና በዚ ኣጋጣሚ ከይገለፅና ኣይንሓልፍን፡፡ብምዃኑ ድማ እቲ ፅቡቕ እናዓቀብካ እቲ ጎዳኢ ድማ እናኣረምካ ምኻድ ካብ ኩሉ ወገን ዝሕሎ ሰናይ ተግባር ምዃኑ እምነት ማሕበር ባህሊ ትግራይ እዩ፡፡

Tigrian Coffee Ceremony

Coffee ceremony is one of the most enjoyable event of the tigrian culture. The ceremony starts with the young woman, first bringing out the washed coffee beans and roasting them in a coffee roasting pan on small open fire/coal furnace.

The pan is similar to an old fashioned popcorn roasting pan and it has a very long handle to keep the hand away from the heat. At this time most of your senses are being involved in the ceremony, the woman will be shaking the roasting pan back and forth so the beans won't burn (this sounds like shaking coins in a tin can), the coffee beans start to pop (sounds like popcorn) and the most memorable is the preparer takes the roasted coffee and walks it around the room so the smell of freshly roasted coffee fills the air ...

The roasted coffee is then put in a small household tool called "Mewketi buna" for the grinding. The crushed fresh roasted coffee powder then is put in a traditional pot made out of clay called 'jebena' (J-be-na) with water and boiled in the small open fire/coal furnace. Again the boiling coffee aroma fills the room, once boiled the coffee is served in small cups called 'cini' (Finjal) which are very small chinese cups.

በዓል ኣሸንዳ

ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና በብዓመቱ ካብ 1-15 ነሓሰ ዝፅወም “ፆመ ፍልሰታ” /ማርያ/ ዝበሃል ፆም ምስተጠቓለለ 16 ነሓሰ ብኣዋልድ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል እዩ፡፡

መፃሕፍትን ሙሁራትን እምነት ኦርቶዶክስን ከምዘረድእዎ 16 ነሓሰ ማርያም ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ኣብ እትኣርገሉ/እትኸደሉ/ እዋን ዝረኣያ ኣዋልድ እየሩሳሌም ዘፍዛፎ ዘለዎ ፃዕዳ ቀምሽ ተኸዲነን ብዝለዓለ ታሕጓስን ዕልልታን ገዛ ገዛ እናዞራ ብስራት እርገታ እናነገራ ዝቐነያሉ ዕለታት ተመሲሉ/ንምዝካር/ ዝበዓል ዘሎን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅእ ዘሎን ኮይኑ ሐዚ ሐዚ ካብ እምነታዊ በዓልነቱ ባህላዊ ባዓልነቱ እናዛየደ ኣዋልድ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ምስልምናን ብሓባር እናኽበርኦን እናተፃወታሉን ይርከባ፡፡

በዓል ኣሸንዳ ብዋናነት ኣብ ትግራይን ሰቖጣን/ክልል ኣምሓራ/ ብድሙቕ ኣገባብ ዝበዓል ኮይኑ ካብ 7 ክሳብ 18 ዓመት ዘለዋ ቆልዑ፣ ጎርዞታትን ኣዋልድን ከከም ብርኪ ዕድመአንን ከባቢአንን እናተጎጀላ ዘብዕለኦ ድሙቕን ፍሉይን መለለይ ተጋሩ እናኾነ ይርከብ፡፡

ኣዋልድ ኣሸንዳ ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ክተኣኻኸብ ዝፀንሐ ቆፅሊ ኣሸንዳ ብክኢላታት ምስተረበበ ኣዋልድ ገዛ ዝሓዞ ወይ ካብ ጎረቤት ለሚንካ ብገይፂ መይፂታትን ክዳንን ተጋይፀንን መልኪዐንን ኣሸንደአን ተዓጢቐን ዕለት 16 ነሓሰ ንጎሆ ከካብ ገዝአን እናወፃ “ኽበባየ ኽበባ ከም ሸንባቆ ርበባ---” እናበላ እናደረፋ ይተኣኻኸባ፡፡ ንቕንያተን ዝኸውን ሕግን ደምብን የውፅኣ፡፡ ሓለቓን ተሓዚት ገንዘብን ይመርፃ፡፡ ብሓፈሻ ኣበይ ጀሚረን ኣበይን ብኸመይን ከምዝዛዝማ መርሃ ግብሪ ኣውፂአን ምንቅስቓሰን ብቤተክርስትያን ይጅምራ፡፡ ድሕሪኡ ገዛ ገዛ ካብኡ ኣብ ኣደባባያት እናተፃወታ ንዝሓልፍ ሰብ ገንዘብ ይልምና ንዝሃበን ወዲሰን ንዝከልአን ድማ ይፃረፋ፡፡ ድላየን ይፃረፋ ፀርፊ ኣዋልድ ኣሸንዳ ኣየነውርን ኣየኽስስን፡፡

ኣዋልድ ኣሸንዳ ከመቱ ኣብ መፈለምታ “ርበባየ ከም ሸምባቆ ርበባ---” ኢለን ዝጀመርኦ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መንጎ ጉጅለ ፈጢረን ብሓምየት ዝፈልጥኦ ነገር እናውፅኣ ኣብ ኣደባባይ ነንሕድሕደን ይፃረፋ ኣእማን ይደባረያን ይዋቕዓን፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ንተሓወስየ ንተሓዋወስየ ዘበን ክምለስየ---” “ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ ላዕላይ ሰማይዶ ኣሎ ማይዳ---” እናበላ ኣጋ መወዳእታ እቲ ፀዋታ የድምቕኦ፡፡

ከምቱ “ማርያመይ/ኣታ ጎይታይ/ ፀሓየ መፂአያኮ እዛ መፅባዓየ---” ኢለን ዝጀመርኦ መዛዘሚኡ’ውን እቲ እናጠራቐመኦ ዝቐነያ ገንዘብ ብዝግባእ ምርመራ/ኦዲት/ ገይረን ናውቲ ቤተክርስትያን ገዚአን ዓመታዊ መፅብዐአን ኣብፂሐን ይፈላለያ፡፡ ሐዚ ሐዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ንዝተፀገሙ/ማ ወገናት ሓገዝ ገንዘብ እንትገብራ ይረአ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ፀጋ ህዝብናን መግለፂ መንነትናን ስለዝኾነ እዚ ፀጋ እዙይ ናብ እንጀራ ንምልዋጥ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለኹም ተወለድትን ፈተውትን ናብ ዓድኹም ንምምፃእ መመፃብዒ ክትገብርዎ ኣጋይሽ እውን እናሰሓብኩም መስሕብ ዑደተኛ ክትገብርዎ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ማሕበር ባህሊ ትግራይ እዩ፡፡