ዜና ማባት

በዓል ኣሸንዳ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተበዓለ እዩ::

በዓል ኣሸንዳ 2001 ዓ.ም “ኣሸንዳ ንልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ መቐለን ዓብይ ዓዲን እናተብዓለ እዩ፡፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተዳለወ በዓል ኣሸንዳ 2001 ዓ.ም ከምቱ ልሙድ ብመልክዕ ውድድር ዝካየድ ዘሎን ኮይኑ ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ካብ 7 ከባቢያዊ ምምሕዳራት ከተማ መቐለ ዝተውፃፅኣ ኣዋልድ ቦካር ባህሊ ኣሸንዳ ብዝግባእ ተዓቂቡ ናብ ወለዶ ንምስጋር ዓሊሙ “ኣሸንዳ ንልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቴማ እናተበዓለ እዩ፡፡

ምስ ፅምብል መበል 20 ዓመት ልደት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተጎዛጒዙ ዝኽበር ዘሎ በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ድምቀትን መዓርግን ከምዝሃቦ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ እቲ ባዓል ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ ኣሎ፡፡ በዓል ኣሸንዳ ካብ ዝተወሰኑ ዓመታት ንነዘ ብመልክዕ ውድድር ብዝሓየለን ብዝደመቐን ኣገባብ እናተበዓለ ዝመፀ ኾይኑ ሎሚ ዘበን ድማ ብፍሉይ ከም መጠን ህዝባዊ በዓል ነቲ ባህሊ ዝገልፅን ንመንነት ኣሸንዳ ኣጉሊሁ ዘርኢን ንናይ ውሽጥን ወፃእን በፃሕቲ ጭቡጥ መልእኽቲ ከሕልፍ ብዘኽእል ደርፍን ኣልባሳትን ክስነ ከምዝግባእ እቲ ኮሚቴ ብኣፅንኦት ዝተንቀሳቐስሉ ከይኑ እዩ ተረኺቡ፡፡ ኣብ ምዝዛም እቲ ውድድር/18 ነሓሰ/ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ንተዓወቲ ሽልማት ገንዘብ ከምዝተውሃበን

ከባብያዊ ምምሕዳር ቀዳማይ ወያነ ---- 1ይቲ

ከባብያዊ ምምሕዳር ሓወልቲ----2ይቲ

ከባብያዊ ምምሕዳር ሰሜን-----3ይቲ

ብምዃን ከምዝተዓወታ ተፈሊጡ፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ብምትሕብባር ስራሕቲ ሌላን ንግድን ኣስፈዳን ባንዲ ሓባሻን ባህላዊ ፀጋታት ብምዕቃብ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምስጋርን መስሕብ ዑዳተኛታት ንምግባርን ዓሊሙ “ፌስቲቫል ባህሊ ኣሸንዳ ለምለም” ብዝብል መሪሕ ቴማ 16 ን ን17 ን ነሓሳ ኣብ ዓብይ ዓዲ 23ን 24ን ነሓሰ ድማ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ መንጎ 8 ወረዳታት እቲ ዞባ ውድድራት ኣሸንዳ፣ ምሕራይ ወ/ሪት ኣሸንዳ፣ ስነ ግጥሚ ከምኡ እውን ኤግዚቪሽን ኪነጥበብን ማለት ስእልን ቅርፃቅርፅን ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃን ስራሕቲ ፈጠራን ዝካየድን ንተዓወቲ ዓይነታዊ ሽልማት ዝወሃበሉን በዓል ከምዝኾነ ካብ ኣካያዲ ስራሕ እቲ በዓልን ስራሕቲ ሌላን ንግድን ኣስፈዳ ኣይተ በርሀ ሃይለ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ መደብ ንምዕዋት ሓገዝ ንዝገበሩ ትካላት ኩሎም ኣመስጊኖም እዮም፡፡ እዚ ከምዚኢሉ ብራይት ኣፍሪካ ዝተበሃለ ውልቀ ትካል “ካርኒቫል ኣሸንዳ 2001” ብዝብል ብዝተፈለላዩ ምድላዋትን ኣብ መንጎ ክበባት ውድድር ኣሸንዳ ብምክያድን 17 ነሓሰ ኣብ መቐለ ከምዘኽብሮ ካብቲ ትካል ዝወፀ ሓበሬታ የረድእ፡፡

a