ባህላዊ ምርኢት ዋጅራት ተኻይዱ
ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ወጅራትን፣ ምም/ር ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራትን ጣብያ ዓዲ ቐይሕን ዝተዳለወ ባህላዊ ምርኢት ወጀረቶት ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ተሳሊጡ፡፡
እዚ ብ23 ነሓሰ 2002 ዓ.ም ዝተሳለጠ ባህላዊ ምርኢት ህዝቢወጀራት ብዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ተመሪቑ ዝተኸፈተ እንትኾን ዝተፈላለዩ ወከልቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ማሕበራትን ተረኺቦም እዮም፡፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ወጀራት ኣይተ ደጋፊ ጎዲፋይ ነቲ ስነ ስርዓት እንትኸፍቱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ህዝቢ ወጅራት በዓል ብዙሕ ባህላዊ ሃፍቲ ብምዃኑ እዚ ባህላዊ ፀጋ እዚ ናብ እንጀራ ንምልዋጥ ብዙሕ ፃዕርን ምትሕብባርን ከም ዘድሊን ንቐፃሊ ወለዶ ክሰጋገር ዝግበኦን ሃፍቲ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርአዩ ከም ልዕሊ ዓቐን ድግስን ሕፅረት ፍቕሪ ስራሕን ዝኣመሳሰሉ ብኣብነት ዝጥቀሱ ድሕረታት እቲ ከባቢ ከም ዝኾኑን ነዚ ምቅላስ ከም ዘድልን ገሊፆም፡፡
እቲ ምርኢት ባህሊ ብዝሕ ዝበሉ ባህላዊ ፀጋታት ህዝቢ ወጀራት ዝተርኣየሉ እንትኾን ኣብ ምጥፋእ ዝርከብን ብዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ ዝንፋሕ ብሕታዊ ሃብቲ ወጀራትን ዝተወሰነ ከባቢ እንደርታን ዝኾነ ከም ሸምባቆ ዝንፋሕ ፋዱማ ዝብሃል ከምኡ ’ውን ካልኦት ከም ሕቁፈይ ፣ጉማየ፣ ዕንድር ፋፃ /በዓል ሰለስተን ኣርባዕተን ብርኪ ወይ ልዕልን ትሕትን ብርኪ ዝብሃሉ ዓይነታት ሸምባቆ) ፣ጥሑስ ደለቦ(ማሕዘል ) ጓሶትን ዓዲ ፀባ ጠስሚ ምዃኑ ዘመላኽቱ መሳርሒታቶምን ፣ሓያይምን ኣጋውዝን መጋየፂታቶምን ፣ዓበይቲ ዓድን ኣከዳድንኦምን ወዘተ ዝጠመተ ምድላው ቐሪቡ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ከይተረፈ የዒስ ዘበለ ምርኢት ቐሪቡ እዩ፡፡
ባህሊ መሳለጢ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕሉ ልምዓት ምዃኑን እቲ ፀጋ መስሕብ ዑደተኛታት ንምግባር ዝያዳ ፃዕርን ተበግሶን እቲ ከባብን ምምሕዳርን ከም ዘድሊ ብምግላፅ ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዝወሰዶ ተበግሶ ዝንኣድን ክቅፅል ዝግብኦን ከም ዝኾነ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ወከልቲ ማሕበር ባህሊ ትግራይን ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ገሊፆም፡፡
ኣብ መወዳእታ ባህሊ ዓረናን ሰርከስ ሲናን ብዝብሃሉ ጉጅለታት ተዓጂቡ ኣብ መንጎ ቁሸታት / ዓዲ ዓሰርተ / ብሓውሲ ውድድር ዝተካየደ ምርኢት ባህሊ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ይበልፅ እዩ ዘይብሃሎ እኳ እንተኾነ ብዝቀረበ ትሕዝቶ ኣቀራርባ ጥራሕ ፀብለልታ ንዝነበሮም ሽልማት ገንዘብ ተዋሂቡ እዩ፡፡ በዚ ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕሎ ተጠቓሊሉ እዩ፡፡
መበል 120 ዓመት ኲናት መተማ ተኸቢሩ
ኣስታት 200 ሽሕ ሰራዊት ብወገን ሃፀይ ዮሃንስን ዱርቡሽን/ሱዳን/ ዝተሳተፍሉ መበል 120 ዓመት ኲናት መተማ 1881 ዓ.ም ንፈለማ እዋን ኣብ መቐለ ተኸቢሩ፡፡ እዚ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ሸባን መተሓባብርቱን ንፈለማ እዋን ኣብ መቐለ ዝተኸበረ በዓል ኲናት መተማ ታሪኽ ሃፀይ ዮሃንስ ብሓፈሻ ውዕሎ ኲናት መተማ ድማ ብፍሉይ ብምዝካር ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ እዩ፡፡
ባሕቲ መጋቢት 1881 ዓ.ም ኣብ መተማ ኣብ መንጎ ኣስታት 85 ሽሕ ሰራዊት ዘሰለፈ ድርቡሽ/ሱዳን/ ካብ 100 ሽሕ -150 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ዘሰለፉ ሃፀይ ዮሃንስን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብዝነበሮም ጅግንነታዊ ውዕሎን ዓወትን ብፈረሶም ንቕድሚት እናመረሹ ነታ ጅግንነት እምበር ንሞት ማዕረ ዝኾነት ሂወት ሃፀይ ዮሃንስ ብሓንቲት በራሪት ጥይት ኣብ ፈተና ወዲቓ፡፡ ብፅባሒቱ ድማ መዋእል ሕልፈቶም መወዳእታ ኮይኑ፡፡ እቲ ኲናት እውን መልክዑ ቀይሩ ዓወት ንድርቡሽ ኾይኑ እዩ፡፡
በዓል ኣሸንዳ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተበዓለ እዩ::
በዓል ኣሸንዳ 2001 ዓ.ም “ኣሸንዳ ንልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ መቐለን ዓብይ ዓዲን እናተብዓለ እዩ፡፡
ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተዳለወ በዓል ኣሸንዳ 2001 ዓ.ም ከምቱ ልሙድ ብመልክዕ ውድድር ዝካየድ ዘሎን ኮይኑ ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ካብ 7 ከባቢያዊ ምምሕዳራት ከተማ መቐለ ዝተውፃፅኣ ኣዋልድ ቦካር ባህሊ ኣሸንዳ ብዝግባእ ተዓቂቡ ናብ ወለዶ ንምስጋር ዓሊሙ “ኣሸንዳ ንልምዓት” ብዝብል መሪሕ ቴማ እናተበዓለ እዩ፡፡
ምስ ፅምብል መበል 20 ዓመት ልደት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተጎዛጒዙ ዝኽበር ዘሎ በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ድምቀትን መዓርግን ከምዝሃቦ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ እቲ ባዓል ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ ኣሎ፡፡