ጉዳይ ባህሊ ጉዳይ ልምዓትን መንነትን እዩ፣ ኣብ ምድላው ሓቀኛ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ እጃምና ነወፊ!!

ማህበር ባህሊ ትግራይ!

Welcome Message from Executive Director

Dear friends!

On behalf of Tigria cultural Association and my self, I would like to welcome you all to our new web site. We hope this web-site will serve as a source of information, knowledge, art, entertainment and amusement. The source of the contents of this web-site is Tigria, northern Ethiopia, the epicenter of ancient Ethiopian history and civilization. The historical relic of yeha and Axum bear a monumental testimony to this. The history of Tigrai is an admixture of pain and glory. The region was also the hub of thriving business and a conduit of international trade and Diplomatic links with the civilized world of the past.

ራእይ ማ.ባ.ት

ህዝቢ ትግራይ ብባህሉ ዝሕበን፣ምዕቡል ደረጃ ባህልን ፍልጠትን ዲሞክራሲያዊነትን ዝተላበሰ ሃፍታም ኢትዮጵያዊ ብሄር ኮይኑ ምርኣይ’ዩ፡፡

ሓፈሻዊ ዕላማ

ማሕበር ባህሊ ትግራይ ብሓፈሻ ምስ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ውልቀሰባትን ብምትሕግጋዝ ጠቐምቲ ባህላዊ ቅርስታት ህዝቢ ትግራይ ብዕምቀት ክፅንዑ ፣ ብግቡእ ክዕቀቡን ክምዕብሉን ኢሉ’ውን ህዝቢ ክፈልጦም ፣ ክመሃረሎምን ብተሳትፍኡ ንመሳለጢ ኩሉመዳያዊ ልምዓት ክጥቀመሎም ንምሕጋዝ ዓሊማ’ያ ተጣይሻ፡፡

Aims of the Association

The Cultural Association of Tigrai was officialy inaugurated and registered as a local NGO in 1995,to promote cultural development in the National Regional state of Tigray.

Major Activities undertaken

  • Establishment of the School of Fine Arts
  • Restitution of some Cultural Heritages From Abroad
  • Conductinag the first Tigrigna Language Symposium
  • Publication of books in the first Tigrigna Language

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት 2003ዓ/ም

እንኳዕ ካብ ዘበነ ማርቆስ ናብ ዘበነ ሎቃስ ኣሰጋገረኩም ኣሰጋገረና ከምኡ ‘ውን እንኳዕ ናብ በዓል ዒደኣልፈጥር ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና እናበልና መፃኢ ዓመት ዓመተ ሰላም፣ጥዕና፣ልምዓትን ዓወትን ክኾነልኩም /ክኾነልና እንትምነ ዓምዲ ሒዝካ ተቖፀ ከም ዝብሃል ልምዓትን ፅጋብን’ውን ዝናብ ሒዝካ እዮ’ሞ እቲ ዝድለ ዝናብ‘ውን ተታሒዙ ስለ ዘሎ ክሳብ እቲ ዓምዲ ሑቐ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ገባርና ተመስገን ሐዚስ የኣክል ዝብል ኣቦጅጎይ ይቕፅሉ ስለ ዘለዉ ፍስሃ ወሰላም ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን፡፡ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ማሕበርኩም ማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣብ መቐለ ክትሃንፆ እትሓስቦ ዘላ ምስሊ ኣሰራርሓ ገዛውትን ምስሊ መሳርሒ ናውቲ ገዛን ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ህንፃታትን ኮታስ ማእኸል ምርምርን ስልጠናን ባህላዊ ኢደ ጥበብን ስነ ጥበብን ክኸውን ትፅቢት ዝግበረሉ ማእኸል ባህሊ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ኣባል ማሕበር ባህሊ ትግራይ ክትኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንፅውዕ፡፡

ኣድራሻና
Email: mabat 888 @yahoo.com
Wab site: www.mabat.org.et

ጉዳይ ባህሊ ጉዳይ ኩሉን ጉዳይ መንነትን እዩ!!