ባንዴራና
እንኳዕ ካብ ዘበነ ማርቆስ ናብ ዘበነ ሎቃስ ኣሰጋገረና ኣሰጋገረኩም፡፡ ዘበነ ሉቃስ በሊዕኻ ድቃስ ከም ዝብሃል እቲ ዘበን ፅጋብ ኮይኑ ኣሎ፡፡ መዓልቲ ባንዴራ ብደረጃ ሃገር ምኽባር ካብ ዝጅምር ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ምሓዝ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጉዳይ ባንዴራ ጉዳይ መንነት ምዃኑ ኣሚና ናብ ወለዶ ንምስጋር እናሰርሐት መፂኣን ኣላን፡፡ ባንዴራ ክቡር እኳ እንተኾነ መንግስቲ ሐዚ ’ውን ዝያዳ ጠመተ ሂቡ ክሰርሐሉ ምሕሳቡ ይበል ዘብል እዩ፡፡
ንምዃኑ ኣመፃፅኣ ባንዴራ ሃገርና ከመይ እዩ? ትርጉም ሕድሕድ ሕብሪኸ እንታይ ይመስል ? ባንዴራ ኢትዮጵያ ንቅዱስ ያሬድ ዜና ብስራት ከበስራ ዝመፃ ሰለስተ ብሕብሪ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝተመሰላ ርግቢት ተመሲሉ ዝተፈጠረ ከም ዝኾነ ይንገር፡፡ ብካልእ ኣብ ባህላውን ምስ መቐነት እነይማርያም ’ውን ይተሓሓዝ እዩ፡፡ ኣመፃፅእኡ እዚ ካብ በልና ትርጉሙኸ እንታይ እዩ?
ትርጉም
- ቆፃል ፡- ምልክት ስራሕ ፣ልምዓትን ዕብየትን
- ቢጫ፡- ምልክት ተስፋ፣ፍትሕን ማዕርነትን
- ቀይሕ ፡- ምልክት ሓርነትን ማዕርነትን ንምንጋስ ዝግበር መስዋእትነትን ጅግንነትን
- ንሰለስቲኡ ሕብርታት ረጊፁ ዝተቐመጠ ዕንቋይ ክቢ፡- ምልክት ሰላም
- ቀጥ ዝበሉ መስመራት ፡- ምልክት ምትእስሳር እምነታትን ሃይሞኖታትን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን
- ኮኮብ፡- ምልክት ብምፍቕቓድ ዝተነደቐ ሓድነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን
- ብጫ ጨረር ፡- ምልክት ብምፍቕቓድ ዝተመስረተን ብሩህ ተስፋ ብሄረሰባትን
ኣቀማምጣ
ከምቲ ልዕል ክብል ብቕደም ሰዓብ ዝተቐመጠ ቆፃል ፣ብጫ፣ቐይሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብቅደም ሰዓብ ይቕመጡ፡፡ ሐዚ ‘ውን ደጊምና ጉዳይ ባንዴራ ጉዳይ መንነት ኢዩ’ሞ ከምቱ ኣያታትና ንክብሪ ሃገርን ባንዴራን ዝሓለፉ ኣንሕና ‘ውን ንክብርን መንነትን ንቃለስ፡፡
ዓመተ ሰላምን ራህዋን ይኹነልኩም ፡፡ ሰላም፡፡
ታሪካዊ ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ / ዓይኒ ዋሪ /
በዓል ኣሸንዳ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና በብዓመቱ ካብ 1-15 ነሓሰ ዝፅወም ‘ፆመ ፍልሰታ’ /ማርያ/ዝብሃል ፆም ምስተጠቓለለ 16 ነሓሰ ብኣዋልድ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል እዩ፡፡
መፃሕፍትን ሙሁራትን እምነት ኦርቶዶክስን ከም ዘረድእዎ 16 ነሓሰ ማርያም ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ኣብ እትኣርገሉ/እትኸደሉ/እዋን ዝረኣያ ኣዋልድ እየሩሳሌም ዘፍዛፎ ዘለዎ ፃዕዳ ቀምሽ ተኸዲነን ብዝለዓለ ታሕጓሰን ዕልልታን ገዛገዛ እናዞራ ብስራት እርገታ እናነገራ ዝቐነያሉ ዕለታት ተመሲሉ/ንምዝካር/ዝበዓል ዘሎን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅእ ዘሎን ኮይኑ ሐዚ ሐዚ ካብ እምነታዊ በዓልነቱ ባህላዊ በዓልነቱ እናዛየደ ኣዋልድ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ብውሱን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ብሓባር እናኽበርኦን እናተፃወታሉን ይርከባ፡፡
በዓል ኣሸንዳ ብዋናነት ኣብ ትግራይን ዋግ ሕምራን ቆቦን /ክልል ኣምሓራ/ብድሙቕ ኣገባብ ዝብዓል ኮይኑ ካብ 7-18 ዓመት ዘለዋ ቆልዑ፣ጎርዞታትን ኣዋልድን ከከም ብርኪ ዕድመአንን ከባቢአንን እናተጎጀላ ዘብዕለኦ ድሙቕን ፍሉይን መለለይ ተጋሩ ብዝተወሰነ ውን ናይ ኣምሓሩ እናኾነ ይርከብ፡፡
ኣዋልድ ኣሸንዳ ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ክተኣኻኸብ ዝፀንሐ ቆፅሊ ኣሸንዳ ብኪኢላታት ምስተረበበ ኣዋልድ ገዛ ዝሐዞ ወይ ካብ ጎረቤት ለሚንካ ብገይፂ መይፂታትን ክዳንን ተጋይፀንን መልኪዐንን ኣሸንደአን ተዓጢቐን ዕለት 16 ነሓሰ ንጉሆ ከካብ ገዝአን እናወፃ ‘ኽበባየ ኽባባ ከም ሻምባቆ ርበባ..’ እናበላ እናደረፋ ይተኣኻኸባ፡፡ ንቕንያት ዝኸውን ሕግን ደምብን የውፅኣ፡፡ ሓለቓን ተሓዚት ገንዘበን ይመርፃ፡፡ ብሓፈሻ ኣበይ ጀሚረን ኣበይን ብኸመይን ከም ዝዛዝማ መርሃ ግብሪ ኣውፂአን ምንቅስቃስ ብቤተክርስትያን ይጅምራ፡፡ ድሕሪኡ ገዛገዛ ካብኡ ኣብ ኣደባባያት እናተፃወታ ንዝሓልፍ ሰብ ገንዘብ ይልምና ንዝሃበን ወዲሰን ንዝኸልአን ድማ ይፃረፋ፡፡ ድላየን ይፃረፋ ፀርፊ ኣዋልድ ኣሸንዳ ኣየነውርን ኣየኽስስን፡፡
ኣዋልድ ኣሸንዳ ከምቱ ኣብ መፈለምታ ‘ርበባየ ርበባ ከም ሻምባቆ ርበባ..’ ኢለን ዝጅምርኦ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መንጎ ጉጅለ ፈጢረን ብሓምየት ዝፈልጥኦ ነገር እናውፅኣ ኣብ ኣደባባይ ነንሕድሕደን ይፃረፋ ኣእማን ይደባረያን ይዋቕዓን፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ‘’ንተሓወስየ ንተሓዋወስየ ዘበን ክምለስ….’’
‘ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ ላዕላይ ሰማይዶ ኣሎ ማይዳ…’’ እናበላ ኣጋ መወዳእታ እቲ ፀወታ የድምቕኦ፡፡
ከምቱ ‘ማርያመይ /ኣታ ጎይታይ/ፀሓየ መፂአያኮ እዛ መፅባዓየ…’ ኢለን ዝጀምርኦ መዛዘሚኡ ‘ውን እቲ እናጠራቐምኦ ዝቐነያ ገንዘብ ብዝግባእ ምርመራ/ኦዲት/ ገይረን ናውቲ ቤተክርስትያን ገዚአን ዓመታዊ መፅብዐአን ኣብፂሐን ይፈላለያ፡፡ ሐዚ ሐዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ንዝተፀገሙ/ማ /ወገናት ሓገዝ ገንዘብ እንትገብራ ይርአ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ፀጋ ህዝብናን መግለፂ መንነትናን ስለ ዝኾነ እዚ ፀጋ እዙይ ናብ እንጀራ ንምልዋጥ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለኹም ተወለድትን ፈተውትን ናብ ዓድኹም ንምምፃእ መመፃብዒ ክትገብርዎ ኣጋይሽ እውን እናሰሓብኩም መስሕብ ዑደተኛ ክትገብርዎ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ማሕበር ባህሊ ትግራይ እዩ፡፡ንታሪካዊ ኣመፃፅእኡ እዙይ ካብ በልና ብስሩዕ መዓዝ ይጅምር? መዓዝኸ ይውዳእ ? እንታይ ይብላ? ምስ ከባቢ መቐለ ዝበዓል በዓል ኣሸንዳ ኣፈላላይ ኣለዎዶ? ሓቢርና ንርአ፡፡
ኣብ ዞባ ማእኸል ብዘይካ ተምቤን ‘ዓይኒ ዋሪ’ ተባሂሉ ከም ዝፅዋዕን ድሮ 24 ነሓሰ ብዝሑል ኣገባብ ጀሚሩ 24 ነሓሰ ውዑይ ብዝኾነ ኣገባብ ይዛዘም፡፡ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ብዉሑድ ክሳብ ሳልስቲ ብውዑይ ይፃወታ እየን፡፡ ኣብ ኩሉ ከባቢ ጓል ኣሸንዳ /ዓይኒ ዋሪ/ የመላኽዕ እዩ ዝብልኦ ዘለወን ናይ ባዕለን ዘይብለን ካብ ጎረቤትን ሓደሽቲ መርዑን ኣሎ ዝተብሃለ መጋየፂታት ፅሩራ፣ኩትሻ፣ዝብጦ፣ሕርኩም፣ሕንቆ መስቀል ፣ደብሪ መስቀልን ባቡር መስቀለን ዝብሃላ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክሳድ ዝእሰራ ፣ድር፣ሕፁያት ማርዳ ብመቐለን ካልእን ጥልፊ ተለሚኑ ተዳልዩ ዝቐነየ ኩሉ ተኸዲነን ይወፃ፡፡
ካልእ ካብ ዞባ ማእኸል ወፃእ ኣብ ዘሎ ተምቤን ሓዊሱ መፍለይ እቲ በዓል ዝኾነ ቆፅሊ ኣሸንዳ ዘይተርፍ እዩ፡፡ ‘ዓይኒ ዋሪ’ ካብ ስያምኡ ጀሚሩ ምስ ኣሸንዳ ስለ ዝኸይድ ቆፅሊ ኣሸንዳ ምጥቃም ግድን ኣይኮነን፡፡ ወይ ባህሊ ኣዋልድ ‘ዓይኒ ዋሪ’ ኣይኮነን፡፡
ነናይ ባዕልተን መዓልቲ ሒዘን ናብ ኣሸንዳ /ዓይኒ ዋሪ/ ዝወፃ ኣዋልድ ኣብ ኩሉ ከባቢ ብተመሳሳሊ ፈለማ ናብ ቤተክርስትያን ይኸዳ፡፡ ኣብዚ ዝጥቀማሉ መራኸቢ ሜላ፤-
ኣቲ እምበይተይ ፀሓይ መፂአለኹ ናብ መፅብዓየኣታ ጎይታይ ፀሓየ መፂአለኹ ናብ መፅብዓየ
ኣውነ ተክለ ኣቦና ክፃወት እየ ገና
ኣውነ ተኽለ ስየማይ ምሕረት ወሪዱ ብሰማይ
እናበላ ዞባ ማእኸል ኣብኡ ዝሕደረሉ ኩነት ኣሎ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ እቲ ዞባ እውን ኣዋልድ ተኣኪበን ኣብ ሓደ ገዛ ይሓድራሞ ንጉሆ ተሲአን ናብ ቤተክርስትያን ይኸዳ፡፡ ኣብ ዝተረፋ ከባቢታት ድማ ንጎሆ ኣብ መንደረን ተኣኪበን እናደረፋ ይኸዳ፡፡ ሓደ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ኩለን መጀመሪአን ኣብ ቤተክርስትያን ምዃኑ ንሃይማኖታዊ ኣመፃፅኡኡ ዘጠናኽሮ እንትኸውን ኣሸንዳ/ዓይኒ ዋሪ/ ኣብ ኩሉ ብተመሳሳሊ ናብ ገዛ ገዛ እዩ ዝዝወር፡፡ ኣብዚ ዝጥቀማሉ መእተዊ ሜላ ድማ፡-
እዞም ገዛ ኣምበሳ ዶ ኣለዎምየ
ሕዝም በለ ኣብ ድሕሪ ገዝኦምየ
ኣጋፋሪ ጎይታይ ክፈትዶ በሎይ እቲ በረኛ
ጎይታይ ኣጋፋሪ ክፈተና በሪ
ዝብሉ ንሓፈሻዊ ገዛውቲ ዝበሃል ኮይኑ መፅብዓ ዝነበሮ ገዛ ተኾይኑ ድማ:-
ኣቲ እምበይተይ ፀሓየ
መፂአ ኣለኹ ናብ መፅብዓየ
ዝብሉ ውዳሰታት እናወደሳ ገዛ ገዛ ይዞራሞ ምስተውሃበን ፡-
ፈሰሰ ከም ማይ ነሓሰ
መኾምቢያ ለይለየ ክብረት ይሃበለይ
ኣዳረሾም ብወርቂ ልቕልቕ
መረብኦም ብማይ ድብልቕልቕ
እዘን እምበይተይ ዝሃባና
ቀለብ ዓመት ይኾነና
ኣያ ጎይታይ ዝሃቡና
ቀለብ ዓመት ይኾነና
እናበላ ወዲሰን /ኣመስጊነን/ይወፃ::
በዓል ኣሸንዳ ብዋናነት መግለፂ መንነት ተጋሩ እኳ እንተኾነ ምስ ተጋሩ ተመሳሳሊ ባሀልን ቋንቋን ዘለዎም ከም ገለገለ ቃላዊ መረዳእታ እውን ካብ ትግራይ ዝኸዱ ከም ዝኾኑ ዝእመነሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ስቖጣን ከባቢኣን ነበርቲ ዝኾነ ኣገው ብተመሳሳሊ ዕለትን ቅደም ሰዓብን ይካየድ እዩ፡፡ ኣብ ስያመ እውን ኣፈለላይ የብሉን፡፡ ኣብ ሰቖጣ ‘ ኣሸንድየ’ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ እንደርታ ፣ደቡብን ተምቤንን ብተመሳሳሊ ‘ኣሸንዳ’ ዝብል ብመፀውዒ ሽም ቆፅሊ ኣሸንዳ ይፅዋዕ ካብዚ ብዝተፈለየ ኣብ ዓጋመ ‘ዋዒምቦ’’ ኣብ ማእኸላይ ‘’ዓይኒ ዋሪ’ ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡
ኣብ ሓደ ከባብን ኣብ ሓደ እምነትን ኾይንኻ ኣፈላላይ እንታይ ኣምፅኦ? ንዝብል ሕቶ ዝደጋገም ስለ ዝኾነ ንሕዚ ክሓልፎ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዛ ግንባር ጤል እትኣክል ፀባብ ክልልን ተኸተልቲ ሓደ እምነትን ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ኣሸንዳ ጥራሕ ዘይኮነ ሆኬብሆኬ/ኣያናቕላ/ እውን ኣብ ገሊኡ ከባቢ ልደት ኣብ ገሊኡ ድማ ፋሲካ ዝግበረሉ መስቀል ውን ኣብ ገሊኡ ምሸት 16 ኣብ ገሊኡ ድማ ንጎሆ 17 መስከረም ዳሜራ ዝቃፀለሉ ወዘተ ተርእዮ ስለ ዘሎ ግዘ ይፍትሓዮ ኢላ ክሓልፎ፡፡ ሐዚ ናብ ዞባ ማእኸል ከተማ ኣክሱም ‘ዓይኒ ዋሪ’ /ኣሸንዳ / ክወስደኩም/ክን፡፡
ፈለማ ንታሪካዊ ኣመፃፅእኡ ኣቦ መንበር ሊቃውንቲ ፅዮን ኣክሱም ንቡረኢድ በላይ መረሳ ዝሃብዎ መብርሂ ከቐድም፡፡
‘እዚ በዓል እዚ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ፡፡ ደናግል ኣዋልድ እናተኣከባ ዘብዕልኦ በዓል እዩ፡፡ ብካልእ ከባቢ ኣሸንዳ ይብሃል ባባና ድማ ዓይኒ ዋሪ ይብሃል፡፡ ኣክሱም ብዘበነ ብሉይ ናይ መጀመርያ ብዘበነ ሓዲስ እውን ናይ መጀመርያ ስለ ዝኾነት እዚ በዓል እዚ ዝተጀመረሉ ብዘበነ ብሉይ ብዘበነ ኦሪት እዩ፡፡ እዚ ክኸውን ሓደ ዩፍታሄ ዝበሃል ገዛኢ መስፍን እስራኤል ነይሩ፡፡ንሱ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ፀላኢ ስለ ዝተልዓለ ህዝቢ እስራኤል ካብ ፀላኢ ኣድሕነና እምበር ገዛኢና ክትኸውን ንሸመካ ኢና ኢሎም ሸይሞሞ፡፡
ቅድሚ ምስ ፀላኢ ምግጣሙ ድማ ናብ እግዜኣብሄር ፀሎት/ምሕፅንታ/ ኣቐሪቡ፡፡ ኣሸኒፉ ድማ ፡፡ካብ ዓወት ናብ ገዝኡ እንትምለስ ሓንቲት ጓሉ ብኸበሮን ብበገናን እናመስገነት መጀመርያ ተቐቢላቶ፡፡ ኾይኑ ግና ደንጊፁ ሓዚኑ ምኽንያቱ ካልእ መስዋእቲ ክገብር ተመፃቢዑ ስለ ዝነበረ ካብኡ እታ ብሕታዊት ጓሉ እንታይ ኮይንኻ ተሓዝን በለቶ፡፡ ኣንቲ ጓለይ እቲ ኩሉ ግዘ ዝቕበለኒ ዝነበረ በጊዕ ክቕበለኒ እዩ ኢለ ብምሕሳብ ኣቐዲሙ ዝተቐበለኒ መስዋእቲ ክገብረልካ እየ ኢለ ተመፃቢዐ ነይረስ ንሱ ስለ ዘይፀንሐኒ እየ ሓዚነ በላ፡፡ ንሳ ድማ ኣይዞኻ ኣይትሕዘን ነገር ግና ምስ ኣዋልድ መሓዙተይ ዝፃወተሉ ክልተ ወርሒ ሃበኒ በለቶ፡፡ ሃባ ድማ፡፡ ደናግል መሓዙታ ሒዛ እውን ብሓደ ወገን ድንግልናኣ እናሓሰበት ክልተ ወርሒ ሙሉእ ምስ ተፃወተት ኣብ መወዳእታ ቃልካ ኣይትዕፀፍ ዝኣተኻዮ ቃል ፈፅሞ ኢላ ፍቓደኛ ኮይና ተሰውአት፡፡ መሰረቱ እዙይ እዩ፡፡እዙይ ንምዝካር ድማ ኣዋልድ እስራኤል በብዓመቱ እናተኣከባ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ የብዕለኦ ነይረን’ይብሉ፡፡
ናብ ሃገርና ከመይ ከም ዝመፀ እንተብርሁ ድማ ‘ከምቱ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ኣክሱም መሰረት ሃይማኖት ስለ ዝኾነት ብቀዳማዊ ምኒሊክ ዘመነ መንግስት ቅድሚ ልደተ ክርስቶት ማለት ብ4518 ዓመት ዓለም ካብ እየሩሳሌም ፅላተ ሙሴ እንትመፅእ እንተላ ዘሎ ህገ ኦሪት ዘሎ ስርዓታት ኩሉ ሓቢሩ ከም ዝመፅእ ይንገር፡፡ ካብኡ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ በዓል ኣብዚ እውን ዓይኒ ዋሪ ብዝብል ሽም ምብዓል ተጀሚሩ፡፡ ስለዚ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ፡፡’ ክብሉ ሊቅነቶም ገሊፆም እዮም፡፡
ዓይኒ ዋሪ /ኣሸንዳ/ ምስ በዓል ተክለሃይማኖት /24 ነሓሰ/ ምብዓሉ ናይ ኣጋጣሚ እምበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዳሕራዋይ እቲ በዓል ግና ካብ ጥንቲ ዝፀንሐ ከም ዝኾነ ንቡረኢድ በላይ መረሳ ይገልፁ፡፡ ናብቲ ዋና ፀወታ ክመልሰኩም፡፡
ኣቲ እምበይተይ ፀሓየ
ለዓመታኸ ታይ መፅበዓየ
ብዝብል ዜማ ሕቶ የቕርባ፡፡
ድሕሪ እዙይ ኣብ ኣደባባያት ኮይነን ወይ እናዞራ ይፃወታ ኣብ መንጎ እዚ ንዝሓልፍ ወዲ ተባዕታይ ጓል ኣንስተይቲ /ኣንሽቲ ምሓዝ ልሙድ ኣይኮነን ናይ ባዕለን ስለ ዝኾነ ይመስለኒ/፡፡
ሓዛለይ ሓዛለየ ከይትሰዳለይ
ወርቂ ሰዓቱ ስየ ቑመቱ ይብላኻለዋየ
እዚ ዓይነት ውዳሰ ንዓለማውያን እንትኾን ንመራሕቲ ሃይማኖት ድማ፡-
ኣቦይ ቀሺ ይባርኹለይ
ምስ ከበሮ እናኸደ ውነየ
እናበላ ንፃወተአን ፍቓድ ይሓታ፡፡ ንሙስሊም ድማ፡-
ወዲ ኣስላማይ
ይብላኻ ኣለዋ ኾኾብ ሰማይ
ኣቦይ ሓጂ ኮኾብ ልቺ
ይብላኻ ኣለዋየ
ብምባል ኣመስጊነን ገንዘብ ይልምና፡፡ ንዝሃበን ድማ፡-
ፈሰሰ ከም ማይ ነሓሰ
መኾምብያ ለይለይ ክብረት ይሃበለይ
ኢለን እናመስገና ንዝዘንገዐ ድማ :-
ክኸድ እየ ጠሪዐ ጠሪዐየ
ጎሮሮይ ነቒዐየ
ይብላ፡፡ ንዝኸልአን ድማ ፡-
ኣይፈልጠካን ድየ ወዲ ዓደይ እንዲኻ
ብሎቖታ ጊሐ ትልምን ዝሓገኻ
እንጣጢዕ ሸጠጥ ኣቢሉለይ ዘጠጥ
እፉፈየ ትብላ ሂበየ እፉፍ በላ ትብላ ዲበላ
ኢለን ይፃረፋ፡፡ ፀርፊ ኣዋልድ ኣሸንዳ ኣየውቅስ ኣየኽስስ፡፡ ቂም ዝሓዘለ ፀርፊ ስለ ዘይኾነ፡፡
ኣሸንዳዋይ ናይ ዓሚየ ተራኺብና ሎሚየ
ኽበባየ ኽበባ ከም ሻምባቆ ርበባ
ናዓዋሸይዶ ኣይትብላየ
ናዓወይ ናዓወይ ስየየ
ኣሸንዳ ዒረ ወለላይ ረሲዐ ነይረ
እናበላ ዝተኣኻኸባ ኣዋልድ ኣሸንዳ ኣብ መንጎ ማለት ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ደቂ ሰባት ፍቕሪ ፅልኢ ኣሎሞ ከምቱ ‘ነገርያ ዝደለየስ ንሕምባሻ ፀብሒ ደለየ’ ከም ዝብሃል፡፡
ኣምበሳይ ዱርየ ማይ ንጉሆ
ክበኣስ ዝበለ ኣብዚ እኒሆ
ተባሂለን ሓደ ዝነበረ ጉጅለ ኣብ ክልተ ተመቒለን ብሓምየት ዝሰምዕኦ ዝነበራ ከይተረፈ እናውፅኣ ይፃረፋ፡፡
ኣብ መወዳእታ ባእሲ ከም ዘሎ ኾይኑ መእሰሪኡ ዕርቂ እዩ፡፡ ኣዋልድ ኣሸንዳ እውን፡-
ንፃወትንዶ/ንተሓዋስየ ንተሓዋወስየ
ዘበን ክምለስየ
እናበላ መሊሰን ይተሓዋሰላ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣሸንዳ ከይመነውኣ ምኻዳ ዝፈልጣ ኣዋልድ፡-
ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ
ላዕላይ ሰማይዶ ኣሎ ማይዳ
ኣሸንዳዋይ ማዓረይ
ምስሐይ ድራረይ
ዋሕ እንዛሕ በላ ኣዋልድየ
ኣውላድ ስኒ ፃባየ
ምሰላ ዕምበባየ
ከደት ከደት ኣሸንዳ ዕምበብ ከደት
ኣሸንዳ ዋይ ከደት ገረብ ተሻገረት
ከምዚ ንዓመታ ይዕቖረና ጌታ
እናበላ ከምቱ ኣብ ምጅማር ዝነበረን ዋዒ ፀወታ ተፃዊተን ኣብ መወዳእታ ዝኣከበኦ ገንዘብ ቆፂረንን ኣስሊሐንን ውሳነ ሓሳብ ኣዕሪፈንን ካብ ኢድ ተሓዚት ገንዘብ ተቐቢለን ቀደም ንቤተክርስትያን ሐዚ ድማ ብኤችኣይቪ /ኤድስ ወይ ብካሊእ ንዝተፀገሙ ሓገዝ የወፍያ፡፡ በዚ ናይዚ ዓመት ፃውቲ መወዳእታ ይኸውን፡፡
ካብ ደርፍታት ኣሸንዳ/ዓይኒ ዋሪ/ ዝተወሰነ ኢለ ቅድሚ ምጥቕላለይ ናይ ባዕለይ ሪኢቶ ከዕርፍሞ ትዕዝብተይ ከኸምብቶ፡፡ ኣብ መእተውየይ ከም ዝበልክዎ ኣብ ሓንቲ እምነትን ፀባብ ክልልን ተቐሚጥካ ኣብ ገሊኡ 16 ኣብ ገሊኡ ድማ 24 ነሓሰ ምዃኑ መራሕቲ ሃይማኖት ሓዲኡ በሉ? ክብል እፈቱ፡፡ ዋላ ዓይኒ ዋሪ ዝጥቀማ ኣዋልድ ደርፈን ግና ኣሸንዳዋይ ከደት እናበላ እየን ዝደርፋሞ እዚ እንታይ ማለት እዩ፡፡ ይተሓሰበሉ ይብል፡፡ ብኣዋልድ ኣሸንዳ/ዓይኒ ዋሪ / ካብ ዝድረፉ ደርፍታት ጋቢዘ ክሰናበት ሰላም፡፡
ብኣዋልድ ኣሸንዳ /ዓይኒ ዋሪ /ካብ ዝድረፉ እቶም ውሑዳት
ትግራይ ዓዲ ሃይማኖት እንዶ’ኣቦይ ቀሺ ይባርኹለየ
ምስ ከበሮ እናኸደ ውነየ
ኢለን ዝጀመርኦ ፀወታ
ቀላሚጦስ ነዊሕ እዩ ስሩ
ምስ ኣሸንዳ ልበይ ተሰዊሩ
ኣይበልዕን ኣዋዘ ደፍዲፈ
ኣሸንዳዋይ ንደሓር ገዲፈ
ሓረስታይ ማይዶለዎ ማየ
እወ ኣለዎ ቃላይ ብቓላየ
ኣትን ኣዋልድየ እንታይ ደሊኽንየ
ሓሸውማ በላ ዙርያ ጋማኽንየ
ኣንሽቲ ማዕዶ ኣይተዕልላንዶ
ክዕልልየ ሰበይቲ እንድየ
ዘውማ በላ ዘውማ በላ
ኣዋልድየ ዘውእማ በላ
ኣንቲ ዘንጊ ወርቂ
እሞ ሃየ ሃየ ከይትወድቂ /ንእሽተይ ቆልዓ ተሓንጊራ ኣብ ዝግበር ፀወታ/
ኣሸንዳ ኣሸንዳ ዓደይ
ብወራውርዶ ክሰብራ ኢደይ
ዲደይዶ ዲደኺ ወዓምብብየ
ዲደይ ደኣ ጓለይ ወዓምብብየ
ርሑስ ዱሮ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2003ዓ/ም
ኣጀማምራ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ
ብዳሞራ ያህያ ኣልኣሚን
መንዙማ ኣብ ትግራይ ነዊሕን ዓሚቕን ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ዛጊድ ዝተዋደደን ብሱል መፅናዕትን ስለዘይተገበሮ ጀመርቱ መን እዮም? ንምንታይ? ኣብ ዕብየት እስልምናን ቋንቋ ትግርኛን ዘለዎ እጃም ብኸመይ ይግለፅ ዝብሉን ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታት ብመልክዕ ሰነድ ተሰናዲኡ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን።
ሙሁራን ታሪኽ፣ ኪኢላታት ሙዚቃን ተዛማድነት ኣብ ዘለዎ ሞያን ክእለትን ዝተዋፈሩ ግዱሳት ተጋሩ ዝርዝር መፅናዕቲ ክገብሩን መልክዕ ዘለዎ መበገሲ ከቕርቡን ተስፋ ብምግባር ኣብ ኣጀማምራ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ሓደ ሓደ ሓሳባት ከልዕል። መንዙማ ማለት ዜማዊ ውዳሰ ንነብይ መሓመድን ሶሓባታትን ማለት ምዃኑ ኣቦ መንበር መጅልስል ኣዕላ ዞባ ደቡብ ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብዱልቃድር ጁሃር ይገልፁ፡፡
መንዙማ ምግባር መዓዝ ተጀሚሩ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ሱሩ ነዊሕ እዩ። ነብይ መሓመድ ካብ መካ ናብ መዲና ኣብ ዝኸድሉ እዋን ደቂ ኣንስትዮ መዲና ተኣኪበን “ኣሸረቐል በድሩ ዓለይና” ማለት ካብ ወርሒ ዝደመቐ ሰብ መፂኡና እናበላ ተቐቢለንኦ እየን። ስለዚ መንዙማ ካብዚ ዘበን ጀሚሩ እዩ ምባል ይከኣል ይብሉ። ቅድሚኡ’ውን ከምዝነበረ ግን ምግማት ከምዝከኣል ይሕብሩ ሸኽ ኣደም።
ናብቲ ቐንዲ ዝተበገስክሉ ሓሳብ ክምለስ እሞ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ምዓዝ እዩ ተጀሚሩ? ብኸመይ? ብዙሓት ዑለማታት ትግራይ ከምዝስማዕምዕሉ እንተኾይኑ መንዙማ ኣብ ትግራይና ዘመናት ኣቑፂሩ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዘበን ረሱል(ሰ.ዓ.ወ)ካብ ትግራይ ናብ መዲና ዝኸዱ ሰባት ኣብ ቅድሚ ረሱል(ሰ.ዓ.ወ) መንዙማ ብባህሎም ከምዝገበሩን ካብ ነብይ ድጋፍ ከምዝረኸቡን ዝገልፁ ኪታባት(መፃሕፍቲ) ኣለዉ።
ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ኣብ ዝገበርዎ መንዙማ ብትግርኛ ድማ ገሊፆምዎ እዮም ከምዚ ብምባል፤
እናዘለሉ ኣተዉ ናትና ወለዲ
ተሓጒሶም ወፂኦም ነብይ መሓመዲ
ስዒድ ዑመር ደልዮም ነይሮም ንክኽልክሉ
ነብይና ኢሎምዎም ሕደጎም ይዝለሉ።
ስለዚ መንዙማ ኣብ ትግራይና ልዕሊ 1 ሽሕን 400 ዓመት ከምዘለዎ ነዞም ዝገለፅክዎም እማኛት ብምቕራብ ምድምዳም ይከኣል። ኣቦ መንበር መጅልስል ኣዕላ ዞባ ደቡብ ትግራይ ሸኽ ኣደም መንዙማ ሕዚ ብዘለዎ ስርዓት ኣካይዳ ኣብ ትግራይና ዝተጀመረን ግን ኣብ 1230 ዓመት ሂጅራ ኣብ ዘበነ ጀማሉል ምዃኑ ይሕብሩ። ቦትኡ ድማ ኣብ ሂጅራ ወራባየ። ናይቲ እዋን መንዙማ ግን ብቋንቋ ዓረብኛ ከምዝነበረ ይገልፁ።
ብግጥምታት ትግርኛ ዝተሰነየ መንዙማ ድኣ መዓዝ እዩ ተጀሚሩ? ሸኽ ኣደም፣ሸኽ ኣሕመድ፣ ሸኽዑመር፣ ኣይተ ዙቤር ጁሃር፣ ሸኽ ኑርሑሴን ብርሃንን ካልኦት ዘዘራረብኩዎም ብርክት ዝበሉ ዑለማታትን ብሓደ ቃል ዝገለፁለይ ነገር እንተሃለወ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ዝጀመርዎ ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር እዮም ዝብሃሉ።
ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ኣብ ወረዳ ዓድዋ እምባስነይቲ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ፍሉይ ቦታ ተወዛወዝ እዮም ተወሊዶም። ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ኣብ መበል 87 ወይ 88 ዓመቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1959 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ኣብ ትግራይና ዝለዓለ እስላማዊ ትምህርቲ ካብ ዝነበሮም ዓበይቲ ዕላማታት ሓደ እዮም። ብምዃኑ’ውን ክሳብ ሕዚ’ውን ብዙሓት ሰባት ዘይደፈርዎም ዓበይቲ እስላማዊ መፃሕፍቲ ብትግርኛ ከምዝተርጎሙ ይፍለጥ።
ወዶም ሸኽ ኣሕመድ ዑመር፣ ሸኽ ኑርሴን ብርሃን፣ ሸኽ ኣደምን ከምዝሓበርዎ ዑምዳ፣ ፊቅሂ፣ሱጀዕን ካልኦት ኪታብትን ብሸኽና ሸኽ ዑመር ናብ ትግርኛ ተተርጒሞም እዮም።
ብዙሓት ዑለማታት ከምዝስማምዕሉ እንተኾይኑ ሸኽና ሸኽ ዑመር መንዙማ ብትግርኛ ኣብ ዝጀመርሉ ዘበነ ንእስነቶም ኣብ ዝነበርሉ ከባቢ ሓውዜን ደርፊ ይበዝሕ ብምንባሩ እስላማዊ እስተምህሮ ንምሃብ ኩነታት ዝጥዕም ኣይነበረን።
ነዚ ዝተረድኡ ሸኽና መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ብምምሃዝ እቲ ኣማኒ ኣብ ክንዲ ደርፊ ዜማዊ መንዙማ ብበዝሒ ክገብር ብምድፍፋእ ብዛዕባ ቁርኣንን ሓዲስን ክፈልጥ ገይሮም እዮም። ባዕሎም ሸኽና ኣብ መንዙመኦም ከምዝገለፅዎ’ውን መንዙማ ብትግርኛ ዝገብርሉ ምኽንያት ህዝቢ ቁርኣንን ሓዲስን ብቋንቁኡ ብዝግባእ ክፈልጥ ብምዕላም እዩ። ንኣብነት ሸኽና ኣብ ሓደ መንዙመኦም።
“ካብ ኩሉ ዘረባ ይበልፅ ነይሩ ዘረባ ዓረብ
ፀኒዑ ድኣ ዉሽጢ ማዕንኡ(ትርጉም) ዘይርከብ
ብልቋና(ቋንቋና) ጌረ ሕዚ ክዛረብ
ሌላይ ጉሌላይ ከይኸዉን እዚ ናህና ሰብ”
ሸኽ ዑመር ኣብራር መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ዝገብርሉ ምኽንያት ብዝርዝር እንትፅናዕ ግን ብሄራዊ ስምዒት’ውን ዘንቀሎ ይመስል። ካብ ሓደ መንዙመኦም ዝረኸብክዎ ግጥሚ ከቕርበልኩም፡-
ኣነማ ብትግራይ ዝገበርክዎ ሒዙኒ ቂራኡ
ኩሉ ኣዐርዩ በቢ ቋንቁኡ
ኣምሓራይ ብኣምሓርኡ
ኦሮሞ ብኦሮምኡ
ኣነ’ውን ኣዐረኹሉ ንትግራይ ግዲኡ።
ሸኽና ከምቲ ኣብ መንዝመኦም ዝገልፅዎ መንዙማ ብትግርኛ ዝጀመርሉ ካልኣይ ዕላማ ቂራእ ሒዝዎም እዩ። ማለት ካልእ ሰብ ብቋንቋኡ መንዙማ እንትገብር ኣነኸ ንምንታይ ብትግርኛይ ዘይገብር ዝብል ኒሕ፣ ውነ ስለዝሓዞም።
ሸኽና ሸኽ ዑመር ካብዚ ብሄራዊን ሃይማኖታዊን ስምዒት ብምብጋስ ክሳብ 60 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ መንዙማታት ዝመሃዙ እንትኾን ክሳብ ሕዚ እውን ኣብ መላእ ትግራይ መንዙማ ሸኽና ዝለዓለ ተጠላብነት ዘለዎም እዮም።
ሸኽና ባዕሎም ዝመሃዝዎ መንዙማ ባዕሎም ይዝይምዎ እኳ እንተነበሩ ብበዝሒ ግን ኣብቲ እዋን ፍሉጥ ድምፃዊ ንዝነበሩ ሸኽ መሓመድ ያህያ ዝተብሃሉ ሰብ ይህብዎም ምንባሮም ይፍለጥ።
ያሬዳዊ ዜማ ዝበሃሉ እዝል፣ኣራራይ፣ ድጓ፣ ግእዝ ዝበሃሉ ምዃኖም ንዝፈልጥ ሰብ መንዙማታት ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ይህልዎም’ዶ ኢሉ ምሕታቱ ኣይተርፍን። ኣቦ መንበር መጅልሰል ኣዕላ ዞባ ደቡብ ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብድል ቃድር ዝተፈላለየ ዓይነት መንዙማ ከምዘለዉ ይገልፁ።
ንኣብነት ተስሊም፣ ሃምዝያ፣ ቡርዳ፣ ጠራኢፍ ዝበሃሉ ዓይነት መንዙማታት ብዘይዲበ(ከበሮ ዓይነት) ዝግበሩ መንዙማታት እንትኾኑ ተራ መንዙማ ዝበሃል ድማ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብድሙቕ ዲበን ዝለዓለ ዕልልታን ጨብጨብታን ዝስነ እዩ። ባርዞንጂ ዝብሃል ዓይነት መንዙማ ድማ ኣብ ኣጀማምርኡ ብዲበ እናተሰነየ ይፀንሕሞ ኣብ መንጎ ድማ ብዘይ ዲበ ብስዲ ንባብ ይቕፅል --- መሊሱ ድማ ናብ ዲበ ዝኣቱ ምዃኑ ሸኽ ኣደም ይገልፁ።
ብሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ዝተምሃዙ መንዙማታት ትግርኛ’ውን ካብቶም ክሳብ ሕዚ ዝተገለፁ ዓይነት መንዙማታት ዝወፁ ኣይኮኑን። ዝበዝሑ መንዙማታት ሸኽና ድምቐት መንዙማታት ብምዃኖም ኣብ ተራ መንዙማ ዝምደቡ እንትኾን ተወሱላትን ሓውሲ ዱዓ ዝኾኑ መንዙማታቶም ድማ ብዘይ ዲበ(ከበሮ ዓይነት) ኮፍ ኢልካ ዝግበሩ መንዙማታት እዮም።
መንዙማታት ሸኽና ሸኽ ዑመር ኣብራር ኣብ ኣወላልዳን ኣተዓባብያን ነቢ መሓመድ፣ ኣብ ታሪኽ ኣሕመድ ነጃሽ፣ ኣብ ውርሲ፣ ኣብ ተውሒድ ትኹረት ዝገብሩ እዮም። ኩሎም መንዙማታቶም ካብ ቁርኣንን ሓዲስን ንዝተወሰዱ ምዃኖም ንምብራህ ድማ ኣብ ሕድ ሕድ መንዙማ እማኝ ይጠቕሱ እዮም።
መንዙማታት ትግርኛ ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎም ድማ ዘይሓዋውሱ ምዃኖም እዮም። ሓደ መንዙማ ሓደ ዛዕባ ጥራሕ ብምሓዝ ክሓልፍ ዝተደለየ መልእኽቲ ብዝግባእ ዘሕልፍ እዩ። እቲ ካልእ ባህሪኡ ድማ ሓደ ተለላ ግጥሚ ብትግርኛ እቲ ካልኣይ ተለላ ድማ ብዓረብኛ እናገጠመ ዝኸይድን ብትኽክል መንገዲ ቤት ዝወቅዕን ምዃኑ እዩ።
መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ እንተኾነ እውን ንዕድሚኡ ዝምጥን ምዕባለ ግን ኣየርኣየን። ሕዚ እውን ኣብ ከባቢ ራያ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ዝምህዙ ዕላማታት እንተሃለው እውን ብስሩዕ ኣብ ስቲድዮ ቐሪፁ ናብ ሰማዕቲ ስለዘይቐርብ ግን እቲ መንዙማ ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ዝድመፅ ኣይኮነን። መሃዝቲ እቲ መንዙማ’ውን ካብ ፈጠርኦም ቁጠባዊ ረብሓ ኣይረኸቡን።
ስለዚ መንዙማ ብቋንቋ ትግርኛ ሃይማኖታዊ ረብሕኡ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዕብየት ቋንቋን ዜማታት ትግርኛን ናይ ባዕሉ እጃም ስለዝህልዎ ቤት ፅሕፈት ሸሪዓ ቃዲ ክልል ትግራይ፣ ማሕበር ባህሊ ትግራይን ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካልን ትኹረት ብምግባር ዝርዝር መፅናዕታዊ ከካይዱ ይግባእ።
እዚ መደብ ኣብ ምስራሕ ዝተሓባበሩኒ፡-
- ቤትፅሕፈት ሸሪዓ ቃዲ ክልል ትግራይ
- ሸኽ ኣደም ዓብደል ቃድር
- ኣይተ ዙቤር ሸኽ ጁሃር
- ሸኽ ኑርሑሴን ዘይኑ(ወዲ ዘይኑ)
- ሸኽ ኑርሑሴን ብርሃን ሙዘይን የቐንየለይ።
ትንሳኤ ቋንቋ ግእዝ
ስለ ቋንቋ ግእዝ ሓበሬታ ኣለዎምዶ?
እሞ እምበኣርከስ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ካብ ዝነበሮ ደረጃ ተላዒሉ(ትንሳኤ) ረኺቡ ሕዳር 12/03/2002 ዓ.ም ብምትሕብባር ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተመስሪቱ። ስሩዕ ቦትኡ ሒዙ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ይርከብ።
እዚ ቋንቋ እዚ ብምትሕብባር ማሕበር ባህሊ ትግራይን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዝተመስረተ እንትኸውን እስካብ ሕዚ 750 ኣባላትን 25 በዓርሰ ተበግሶ ዘምህሩ መማህራንን ዝሓቖፈ እንትኸውን ፅቡቕ ራእይ ዘለዎ ክበብ እዩ።
እዚ ክበብ እዚ ዕላምኡ ሞይቱ እናተብሃለ ዝዝረበሉ ዝነበረ ቋንቋ ግእዝ ካብ ኣትዩዎ ዝነበረ ዓዘቕቲ ንምውፃእን ዳግማይ ብክልተ እግሩ ጠጠው ንክብልን ከምዝነበሮ ሃገራዊ ቋንቋ ንክኸውንን ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ዝተልዓለ ድማ እቶም ግዱሳት መማህራንን ተምሃሮን እቲ ክበብ “ዕላማና ቋንቋ ግእዝ ተናጋሪ(ተዛራቢ) ማሕበረ ሰብ ምፍጣር እዩ።” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ተደጊፎም ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ዕድመ፣ ፆታ፣ ግዜን ቦታን እንተይወሰኑ ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ትምህርቱን ኩሉ ብማዕረ እናሃቡ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ። ስለዝኾነ ፡-
“ኣንትሙስ በእንተ ዘንቱ ነገር ምንተ ትሔልዩ በልበክሙ።”
“ንስኹምኸ ብዛዕባ እዙ ነገር እዙይ ብልብኹም እንታይ ትሓስቡ።”
“ንሕና ግዱሳትመማህራንን ተምሃሮን ክበብ ቋንቋ ግእዝ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ጎንና ኾይንኹም ኣይዞኹም ኣለናልኹም ከም እትብሉና ሰብ ሙሉእ ተስፋ ኢና።”
“ንተነሳእ ኩልነ ለትንሳኤ ልሳነ ግእዝ።”
“ ንዕብየት ቋንቋ ግእዝ ኩልና ንለዓል።”
ክበብ ቋንቋ ግእዝ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሒዝዎም ዝተልዓለ ዕላማታት:-
- ሞይቱ እናተብሃለ ዝዝረበሉ ዝነበረ ቋንቋ ግእዝ ካብ ዝነበሮ ዓዘቕትን ፀልማት ሃዋህውን ወፂኡ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕል ምግባር ፣
- ቋንቋ ግእዝ ዝዛረብ ማሕበረሰብ ምፍጣር፣
- ቋንቋ ግእዝ ሃገሩን መቦቀሉን ገዲፉ ኣብ ባዕዳውያን ሃገራት እስካብ(PHD) እናተሰርሐሉ ይርከብ። ይኹን’በር ኣብ ሃገርና ግና ከምዘይ በቆለላን ከምዘይቋንቋአን ተረሲዑን ከምዘይነበረን ዝተሓሰበሉ ግዜ ስለዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ትንሳኤ ረኺቡ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ከምተን ካልኦት ሃገራት ናብ ኩሉ ተስፋሕፊሑ እስካብ ዩኒቨርሲቲ በፂሑ ብድግርን ኢሉ’ውን(PHD) ንክስርሐሉን ምግባር። ኢሉ’ውን ሕብረተሰብ ብዛዕባ እንታይነት ቋንቋ ግእዝ ኣፍልጦ ንክህልዎን ዓሚቕ ግንዛበ ንክገብርን ምግባር ዝዓለመ እዩ።
- ቋንቋ ግእዝ ናይ ቤተክርስትያን ቋንቋ እናተብሃለ ዝዝረበሉ ዝነበረ ልሳን እዩ። እዚ ኣረኣእያ(ኣመለኻኽታ) ተቐይሩ ሕብረተሰብና ሃገራዊ ቋንቋ ከምዝኾነን(ከምዝነበረን) እኹል ሓበሬታ ንክረክብ ምግባር።