ፍፃመታት ማባት
ኣብ እዋን ምጥያሽ ማሕበርና ዓቕሚ ማሕበር ንምጥንኻር ደሓን ዝበሃል ፃዕሪ ተገይሩ ንሽዑ ዕውት ነይሩ፡፡ ሳላ እዚ ዓቕሚ’ውን፡-
- ዛጊድ ብዓይነቱ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዕውት ዋዕላ /ሲምፖዝየም/ ቋንቋ ትግርኛ ብ1987 ዓ.ም. ድሕሪኡ’ውን ንካልኦት ቋንቋታት ትግራይ ሓዊሱ ካልእ ዋዕላ ብ1999 ዓ.ም. ኣሳሊጣ ጠቐምቲ ሓሳባት ውሳነ ተመሓላሊፎም፣
- ብማእኸላይ ብርኪ ክኢላታት ኪነ ጥበብ ዘፍሪ ቤት ትምህርቲ ኪነ ጥበባት ትግራይ ኣጣይሻ ንክልላዊ መንግስቲ ኣረኪባ፣
- ብወራር፣ ብስርቂን ካልኦት ኣገባባትን ካብ ዓዲ ዝወፁ 122 ተንቀሳቐስቲ ሓድግታት ብምምላስ እቶም 120 ምስ ስሩዕ መቕመጢኦም ንመንግስቲ ክልልና ኣረኪባ፣