ስነ - ቓል
ቅኔ
ካልእ የብለይን ብዘይካ ንስኺሓሪሰ ጎልጒለ ሂወተይ ንዓኺ
- ሕብሪ ቃሉ፡- ሂወተይ
- ስሙ፡-ባዕለይ (ትንፋሰይ)
- ወርቁ፡- ሂወት እትብሃል ቆልዓ
ተረአኻዮ ግን ካብድኻ ዝበልዕ
- ሕብሪ ቃሉ፡- ከብድኻ
- ስሙ፡-ዘሕዝነካ
- ወርቁ፡- ካብ ድኻ ሰብ ሰሪቑ ዝበልዕ
ክደና ክብላ ሕቆአን ተሰይረን
- ሕብረ ቃሉ፡- ክደና
- ስሙ፡- ክዳን ግዝአላ
- ወርቁ፡- ድንን ክብላ
በልያ ደኣ ሎምስ ኣመና ኣብዚሓቶ
- ሕብረ ቃሉ፡- በልያ
- ስሙ ፡- ውቅዕያ (ቅፅዕያ)
- ወርቁ፡- ኣሪጋ(ተበላሽያ)
ኣንጊሃ ከሲሳ ፅዋ ሰብ ሰሚዓ
- ሕብረ ቃሉ፡- ከሲሳ
- ስሙ፡- ናብ ሕጊ ከይዳ ከሲሳ
- ወርቁ፡- እንጀራ ሰንኪታ
ቱታ!.. ቱታ!.. ቱታ!
ድምብልቡሎ እምኒ ዘይዃነሓውን ሓሰርን ዘይሳነ
ጅግና ቆልዓ ትግራይ ዘይዳነ
ምውዓሉ በረኻ እምብለይ በሃሊ
ዘይሕርብቶ ናይ ፀላእቲ ዳህሊ
ሰባሪ ኣንጉዕ ጅግና በዓል ዓቕሊ
ምስ ኣዛብእ ምውዓሉ ምሕዳሩ
ከም ንጉሳት ኣንበሳ ሰሪሩ
ጭራ ነብሪ ሒዙ ተወርዊሩ
ተቓሊሱ ሓሊኹ ናብ ምድሮም
ሓፂር ስርኡ ወዲ ሃብሮም
ተኹሱ ዘይስሕት ግምባሮም
- በለ እዚ ወዲ እዚ ……
ፍልፍል መፅሄት ፈለገ ጥበብ ውቕሮ
ንሃርስ ኢዶ
- ንሃርስ ኢዶ?
ንህርስስ ፀጊብና ዶ
ለይንፀግብስ የቓውዒ ዶ
ቓውዕስ ቓውዒ እነኽ ዶ
እነይስ መላዕልትኻ ዶ
እጎፍጎፍ
እንቓዓ መዓር ፀፈፍ
ወጮ ድየ ልጉፍጎፍ
ወጮ ስኳ መሞቒ
መሞቒ ስባ ሓዊ
ሓዊ ስኳ ወዳኢ መሬት
ወዳኢ መሬት ስባ ኣንበጣ
ኣንበጣ ስባ ተገራጫዋይ
ተገራጫዋይ ስባ ንህቢ
ንህቢ እኳ ገባር ሓፃይ
ገባር ሓፃይ ስባ መፅዓን
መፅዓን ስኳ ነዊሕ
ነዊሕ ስባ ሰማይ
ሰማይ እኳ መጉረምረማይ
መጉረምረማይ ስባ ገንኢ
ገንኢ ስባ ተሰባራይ
ተሰባራይ ስባ ሓምሓም
ሓምሓም ስባ መሪር
መሪር ስባ ሓቢ
ሓቢ ስባ ካልኣይ ኣበሳይ
ካልኣይ ኣበሳይ ስባ ኩሕሊ
ኩሕሊ ስኳ ፀሊም
ፀሊም ስባ ኳኽ
ኳኽ ስኳ ጎራሕ
ጎራሕ ስባ ማዕፂድ ግራታ ዓፂዳ ግራት እማታ ትዓፅድ::
ብኣርኣያ ገ/ማርያም
መልቅስ
ከይሓመመት ዝሞተትን ኣሕዋታ ከይነበሩ ዝተቐበረትን ወይዘሮ ኣመልኪቱ ዝተለቐሰ መልቅስ፣
- ሞይታ’ዶ በልኩምኒ ፀላእታ ይሙታ፣
- ሓሸው ሓሸው ልበሉ ጥሑሳት ደለውታ፣
- ፈንዛሕ ፈንዛሕ ዝብል ጥበብ መቐነታ፣
- በቕበቕ ዝብል መስቀል ኣብ ደረታ፣
- ለጥ ለጥ ዝብሉ ስፋይ ኣሳእንታ ፣
- ዓፍራ ፀባ ዝመስሉ ኣስናናታ፣
- ከክንዲ ጡሩምባ ዝኸውን ኣዒንታ፣
- ኣየ ጉድ ታይ ይጭክን ጌታ፣
- እቲ ዝገርም ኣሕዋታ ዘይነበሩታ፣
- ቤተሰብኪ ተሰምዑኸ ታይ ክብሉታ፣
- እነኺ ትሳቕየን ብፋቕዕኺ ከይሞታ፣
- ሓሚምኺዶ ንዒ ኣፍቂድክዮ ልጌታ፣
ኣበሃህላ
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይብሃሉ ካብ ዝነበሩ ድሑራት ኣበሃህላታት፣
- ሰበይቲ ምነገሰት ምሓረደት(ነጊሰን ግን ኣይሓረዳን)
- ብዕራይ ኣብ መልሲ ሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ብበትሪ (ሕዚኮ ይትረፍ ንሰበይቲ ንብዕራይ ‘ውን ምውቃዕ ተሪፉ)
- ሰበይቲ ዝፀረበቶ ፅርበትስ ዘረባ ሰብ ሰሚዑ ይነቅዕ(እሞ ሐዚኮ እንኳን ብዘረባ ብመኪና ተረጊፁ ዘይነቕዕ ኮብልስቶን ይፀርባ ኣለዋ)፣
- ካብ ትኩስ ገዓት ካብ ዓባይ መርዓት ኣውፀአና (እሞ ሐዚኮ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ተረፈ)፣
- ሰበይቲ ተመርዒኻ ሰበይቲ ምውላዱ እንታይ መንገዱ(ሐዚ ብኹሉ ማዕረ ኮይነን ብምውላድን ሕልፊ ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን እንተበልናኸ)፣
- ዝተንዓቐት ሃገርስ ብኣንስቲ ትውረር(ብኣንስታይ እትፍለጥ ሃገር ድማ ሓያል ምዃና ንፈልጥ)፣
ማሰ
ኣንጀትየ ኣንስቲ
ኣንጀትየ በዓላልቲ
ስዋ ኢለን ፀሚቐን ነቢቲ
ኣብታ ዓባይ ደርቢየ
መሊኡና ክብርየ
ምየስ ናይ ዓጋመ እናሓደረ ጠዓመየ ፡፡
- ዓቐብ ደይብካ ቁልቁል ኣሎ
- ቁልቁል ወሪድካ ዓቐብ ኣሎ
- እንድሕር ሰላም’ዶ ፀገም ኣሎ::
ከመይ ኢኻ ጎይታይ ልጅ ቡና
ዓድኻ ልበሃል ጅማ ልትመፀና ብዓባይ መኪና
መስፈሪኻ ይብሃል መስፈሪ ላምባዲና
መጀመርያ ኣወል ካልኣይ ታውና ::
- ቡኒ ዲኻ ቡኒ
- ኣብ ዓቐበት ክርትም ዘበልካኒ
- ኣቦይ ድዮም እነይ ክረድኡኒ::
ከመይ ኢኽን ወ/ሮ ጀበና
ወትሩ ሓፋር ርእሰን ብለድነና
ርእሲ ማተን መርዘን ርእሰን ዳሕና::
ምሰላታት
- ማይ ፣ ማይ ጥቅምቲ ፍቕሪ ፍቕሪ ጥንቲ
- ማይ ንዝፀምኦ ምኽሪ ንዝሰምዖ
ሰብ’ውን ይንበብ---
- ሓዘኑ ሓጎሱ እምነቱ ድልየቱ
- ቅንዕና ተንኮሉ ስግኣቱ ትብዓቱ
- ንእከይ ምፅልኡ ንሰናይ ምምራፁ
- ሰብ’ውን ይንበብ ከም መፅሓፍ ካብ ገፁ::
ስዒድ መሓመድዓሊ
መፅሄት መቃልሕ
1994
ንያት ማዕተብ ሕድሪ
ጥልፊ ዝርያ - ልበልባ ጥብቆ
ሽቦ ዝብጦ - ብሪ መስቀል ሕንቆ
ጉማየ ሃይሎጓ - ውቅዒት ቃርሳ
ተሃብኪ ሆያሆየ - መሐጎሳይ ጓሳ
እቲ ዑሙር ጓይላ - ኣብ ቆላከበሳ
ፀወታ ኣኳሊኳል - ብበትሪ ከዘራ
ሁራ ኣያናቕላ - ማስ ምስ ፈኸራ
ዕዳ መብሩቕ - ስረ -ሳርያን
ዝናር ብሽራራ - ገምባለ ዳንግኡ
ደጎሉ ፅኑዕ - ሕፁር መረብኡ
ሽቱ ጡሽ - መብለጭለጪ ኩሕሊ
ካብቲ ብሩኽ መሬት - ናይ ዓድና ተኽሊ
ኣሸንዳ ሸውላላ- ብሪሞ ገበጣ
ጭራ ምስ ከበሮ -ኣውርስ ብሕምባጣ
እንኮ ፅሩይ ባህሉ -ዘይተሓወሶ ፃልባ
ሎሚኳ እንድዒ ………..
ብተራ ዘይኮነ - እንካሃባ ወግዒ
ልቢ እናሰንበረ - ሕልናዊ ሰልዒ
ንግዜ ፈተሹ - ይመርምሮ ብርዒ
ዋስየ ጠፊኡ - ጅንስ ተተኪኡ
ኩዳ ተሪፉ - ፀፋዕ ፀግደም ብዝርይኡ
ቀምሽ ተሰሪዑ -- ብስረ ወሪሱ
ንቡር ተሰኪፉ --ንሳስ ኮይና ንሱ
ፅንሃ ብፀናፅል - ወርቃዊ መቆምያ
ባህሪ ፍረማህፀን - ውርሲ ኢትዮጵያ
ምድራዊት ሰገነት - ክትነብር ተሰምያ
እቲ ቀደም ቀደም - ጎራዲ ብዋልታ
ብኽብሪ ንፍቕሪ - ሃይሃይታ ሸመታ
ሕላገት ምሽጢርና - ፀግዕና እዩ ያታ
ህያብ ከልግስ - ክህብ መና ሰማይ
ሓዱሽ ዓይኒ ቡቕሊ - ደመና ሰርቢ ማይ
ክኾን ዘይነፅፍ ፍልፍል - ዘይጠፍእ ቀንዴል
ኣፍምላእ ክኸውን - ከርስና ክዕንገል
ባህለይ ማዕርገለይ - ሩሩ ወርቂ ማሕዘል
ጠሊ ራሕሲ ሒዙ - ሸዊት ዓንዲ ማእኸል
ብራህዋ ክብላዕ - ብሕብረት ሕምባሻ
ሽልማት ንፅዋዕ - ኣፅዋርና ሞደሻ
ዓበይቲ ወለዲ - ከምህሩ ንቖልዓ
እምነት ብቃልኪዳን - ኣቲና መፅብዓ
እስቲብር ነብል - ዓሚ ቅድሚ ዓሚ
ሰረት ዓንዲ ሑቖ - ትማሊ ንሎሚ
ስራሕና ረሲዕና - ኣምልኾት ንፊልሚ
ባህሊ ሰገር ሃገር - ኣይኮነናን ገዝሚ
ስኒ ፋይዳ ኣልቦ ብጠጠውካ ሕልሚ
ንተስፋ ሃገር - ተግባር መዓር ጠስሚ
ብመሓሪ ገ/መድህን /ውቕሮ/
ኣብ ቅነ ባህሊ ትግራይ
ካብ ወረዳታት 1ይ ዝወፀ
ማ.ባ.ት
- ዋልታ ባህሊ ዕርዲ ሽፋን
- ዓባይ ኣውሊዓ ፅላል ፃድቃን::
ደልየ ሲኢነያ
- ደልየ ሲኢነያ ናይ ቀደም መርዓት
- ታልፅይቲ ጋመ ተለላ ጭንጉዓት
- መግለፂ ባህልና ዝነበረት ኩረዓት
- ሲኢነያ ኣነ ናብ መን ኮን ከዲዓ
- ባህሉ ድዩ ዘየለ ወይስ ታ ናሽዑ ቆልዓ
መልቅስ
- ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን
- ዕሾኽ ግባ ቆንጠፍጠፈ ኢድክን::
ህኩይስያ ድራሩ ንኩይ” ድዩ ዝተብሃለ?
ከይሰራሕኻ ስለዘይብላዕ። እንታይ’ዩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይደጋግም ኣሎ ከምዘይትብሉኒ ተስፋ እገብር። እቲ ቀደም ቀደም ኣብ ኣዴታትና ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዕን ኣድልዎን ትፈልጥዋቶዶ ኣለኹምይዋ ሓንቲ ክደግም። ከምዚ እዩ። ሓንቲት ህክይቲ ስራሕ ዘይፈትዋ ሰበይቲ ነይረን። ወያ ሞት ሐዚ’ውን ትመፅእ እሞ ሰበይቲ ይሞታ። በቲ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ሃፍቲ ስነ ቃል ድማ ከም ዝስዕብ ኣልቀሱለን/ሳለን።
- "ካብቲ ስርናይ ድየን ምስ ዓንጎታ
- ካብቲ ጣፍ ድየን ምስ ጠበታ
- ካብቲ ስገም ድየን ምስ ሸከታ
- ከምኣ ኢለንዶ ቀርየን ምስ ትህኪታ
- ግደፍወን እማ ይሙታ፤ ይሙታ”
ፍልፍል:- መፅሄት ኣውርስ
ትፈልጡዶ?
ውሻጠ ሙዚቃ ትግርኛ
ጊዜ ጣልያን ብ1931/ /1939 ዓ.ም ፈ/ ብቋንቋ ትግርኛ ተደሪፎም ንሕትመት ዝበፅሑ ደርፍታት፡-- ብእኒ ፍቅረስላሴ
- ዕቑባዝጊ ብሃይለ ኣቤላ ድርፊ
- ብመንግስቱ ገብሩ
- ብበየነ ዑመርዲን
- ብተመልሶ ቀለተ
- ብዑቕባት ሰለባ
ወግዒ እንስሳት
- ምስታይኻ ማይልቕላቕ
- ምግብኻ ዝብርቕራቕ
- ምሕዳርኻ ኣብ ዕርፊ
- ከይተሀርሰናስ እንደገና ደርፊ።
ካብ ወግዕታት ቤት ህንፀት
ኣብ እዋን ደርጊ ካብ ዝተብሃለ :-- መርማሪ:- መሳርያ ኣለካዶ?
- ተመርማሪ:- እወ ኣለኒ
- መርማሪ:- እንታይ ዓይነት?
- ተመርማሪ:- ተዓፃፊ ታንኪ
- መርማሪ:- ኣበይ ኣሎ?
- ተመርማሪ:- ኣብ ትሕቲ ዓራት
ፍልፍል መፅሓፍ ሰቆቃ ዘሰንበል
ኣበሃህላታት ደቂ ሃረር
- ጊመል እንትፀዓን ኣድጊ ሃለለ
- ንሃፍቲ ኣቦ እንበር ኣቦሓጎ የብሉን
- ጤል ቆልዓ ክወልድ ኢላ ሰብኣያ ወለደት
- ኣብ መሬት ዘይተሰማመዐ ናብኦም ሓቢሩ ኣይወፅእን
- ቅንፊዝ ውላድኪ ከመይ ገይርኪ ትልሕስያ? እንተበልዋ ከምዝወለድኩዋ በለት::
ዘይፈልጥወን ምስተመርዐዉወን እዩ::
- ውላድ፡- ኣባባ ሓቂ ድዩ ናይ ቀደም ሰብኡት ኣንሽቶም ክሳብ ዝምርዐዉወን ኣይፈልጥወንን ዝብሃል?
- ወላዲ፡- ኣየዛጓለይ ንሱ ተሪፉ ካሊእ እዩ መፂኡ ዘሎ ሐዚ ሰብኡት ኣንሽቶም ዘይፈልጥወን ዘለው ምስተመርዐዉወን እዩ።